ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፣ ንወርሒ ሓምለ፣ ኣብ ኢቨንት ፕላዛ ዝመደብዎ ኣኼባ ክካየድ ከምዘይትደሊ ከንቲባ ከተማ ገሊጻ

Radio Erena: 05 June 2023

ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፣ ንዝመጽእ ወርሒ ሓምለ፣ ኣብ ከተማ ራይስዊክ፣ ኣብ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ ዝወደብዎ ኣኼባ ክካየድ ከምዘይትደሊ፣ ንከንቲባ እታ ከተማ፣ ሁሪ ሳሂን ብምጥቃስ መርበብ ዜና ራይስዊክ ቲቪ ሓቢራ።

እቲ መርበብ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ኣብቲ ኣዳራሽ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ክልተ ኣኼባታት ተወዲቡ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ከንቲባ እታ ከተማ ግና ብሰንኪ ኤርትራውያን ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ባእስን ዕግርግርን፣ ክካየድ ከምዘይትደሊ ኣስሚርሉ።

ኣፈኛ እታ ከንቲባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምምሕዳር እታ ከተማ ነቲ ተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ባእስን ዕግርግርን ንምግትእ፣ ንኣኼባታት ብምስራዝ ዘይኮነ፣ ነቲ ኣዳራሽ ንግዜኡ ካብ ስራሕ ደው ብምባል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ምምሕዳር ከተማ ራይስዊክ፣ ነቲ ኤርትራውያን ባእሰን ዕግርግርን ብምክያድ ዝልለይሉ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ ክውንኖ ከምዘሊ’ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እንተኾነ፣ ወናኒ ኢቨንት ፕላዛ፣ ዠራርድ ሾልትስ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ንወርሒ ሓምለ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባታት ክካየድ ከምዝደሊ ብምሕባር፣ ነቲ ን27 ዓመታት ዝወነኖ ኣዳራሽ ናብ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዘይሸጦ ኣነጺሩ።

ኣብ ሆላንድ፣ ብኤምባሲ ተወዲቦም፣ መዓልቲ ናጽነት ንምጽንባል ኣብ መንጎ ዝተኣኻኸቡን፣ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን መንእሰያትን፣ ብ28 ግንብት ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ እቲ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣብ እዋኑ ሓቢረን’የን።

ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ሆላንድ፣ ኣብ እትርከብ ከተማ ራይስዊክ፣ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ፣ ዝተኻየደ ባእሰን ዕግርግርን፣ ብኻራሩ ዝተወግኡን በኣባትርን ኣእማንን ዝተፈግኡን ከምዘለውዎምን፣ ኣሃዱታት ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ንምህዳእ ብሄሊኮፕተር ዝተሰነየ ወፍሪ ከምዘካየዱ እተን መርበባት ኣፍሊጠን።

ኤምባሲ ኤርትራ፣ ነቲ ዝተሰረዘ መደብ፣ ብተብተብን ብምስጢርን ኣብ ካልእ ኣዳራሽ ከካይዶ እኳ እንተተጓየየ፣ ንጸጥታን ርግኣትን እቲ ከባቢ ሓደገኛ’ዩ ተባሂሉ ስለዝተገምገመ፣ ብፖሊስን ምምሕዳር እታ ከተማን ከይካየድ ከምዝተኸልከለ ‘ውን ምንጭታት ኤረና ኣገንዚቦም።

ከንቲባ እታ ከተማ፣ ነቲ ኤርትራውያን ዘካየድዎ ባእሰን ዕግርግርን፣ ‘ሰባት ዝተጎድእሉ፣ ዘሕዝን ስርዓት ኣልቦ ፍጻሜ’ ክትብል’ያ ብመንገዲ ትዊተር ገሊጻቶ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብታ ከተማን ኣዳራሽን፣ ብኤምባሲ ኤርትራ ተወዲቡ ክካየድ ዝተወጠነ ፌስቲቫል ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝተዘርገ ይዝከር።

ኣብ ሆላንድ፣ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝርከብዎም፣ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን፣ ብኤምባሲታት ተወዲቡ ንዝካየድ ንጥፈታት ደው ንምባል፣ ጎነጽ ዝተሓወሶ ምንቅስቓሳት ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0