ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ እዋኑ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 05 June 2023

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ቁጠባን ጸጥታን ኣብ ዘተኮረ ዋዕላ ሃገራት ወሽመጥ ንምስታፍ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣቱ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ጸሓፊ፣ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰነ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዞባ ዋዕላ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራት ሃገራት ወሽመጥ ብምርካብ፣ ኣብ ክልትኣዊን ዞባውን ምትሕግጋዝ ብምትኳር ክመያየጥ’ዩ።

ንነዊሓ ዓመታት ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ዘለወን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምድናታተን ናብ ከም ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰለ ሃገራት’ውን ይሰፍሕ ምስ ምህላዉ፣ ነታ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዘመን ጎብለል ዓለምና ኮይና ዘላ ሃገር ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ተንተንቲ የረድኡ።

ብፍላይ ብነዳዲ ካብታም ዝኾነን ኣብቲ ዞባ ጸላዊ ቦታ ዘለዋን ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ቻይና እትምስርቶ ዘላ ዝምድናታት፣ ኣመሪካ ምስታ ዓረባዊት ሃገር ዝጸንሓ ሽክርናታት ክትክልስን ዳግም ከተሕድስን የገድዳ ምህላዉ’ዮም እቶም ተንተንቲ ዘረድኡ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝካየድ ዑደት ላዕለዋት በዓል ስልጣን ኣመሪካ ናብዛ ሃገር ‘ውን ብቀንዱ ኣብዚ ጉዳያት እዚ ዘተኮረ ምዃኑ ይጥቐስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0