ሩስያ ዝምድንኣ ምስ ኣፍሪቃ ንምድልዳል፣ ኣፍሪቃውያን ደቂንስትዮ ኣብ ምፍራይ ድሮን ተዋፍር

RADIO ERENA – Wednesday, 10 April 2024

ሩስያ ኣብ ታታርስታን ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ዞባ ድሮናት ንምፍራይ ካብ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ትምልምል ከም ዘላ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ገሊጾም።

እተን ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 22 ዝርከባ መንእሰያት ደቂንስትዮ ብመወዓውዒታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ዋላ’ውን ብመንገዲ ናይ ዕርክነት መርበባት ብምስሓብ ኣብ መወዳእታ ኣብ ግዱድ ዕዮ ይሳተፋ ከም ዘለዋ ተጠቒሱ።

ብመሰረት ተንተንቲ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ምፍልላይን ዓሌታዊ ኣድልዎን ምዃኑ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ።

እተን ደቂንስትዮ ኣብ ኣላቡጋ ዝተባህለ ኮሌጅ ብምእታው ስልጠና ብምውሳድ ንዩክሬይን ኣብ ምጥቃዕ ዝውዕል ድሮን ኣብ ምፍራይ ይሳተፋ ከም ዘለዋ ተገሊጹ።

ምክልኻል ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ኣብ መላእ እታ ሃገር ን7 ዞባታት ዩክሬን ዒላማ ብምግባር ብሩስያ ዝተወንጨፋ 20 ናይ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ከምዘዕነወ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ማይኮላ ኦለሽቹክ ትማሊ ሰሉስ ገሊጹ።

እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ዞባታት ማይኮላይቭ፡ ኦዴሳን ኬርሰንን፡ ማእከላይ ዞባታት ድኒፕሮፔትሮቭስክ፡ ፖልታቫን ቪኒትያን ከምኡ’ውን ኣብ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ልቪቭ ከም ዝዓነዋ ኦለሽቹክ ኣብ ናይ ቴሌግራም መልእኽቱ ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0