ኲናት ሱዳን ኣብ ሓደ ዓመቱ፣ ደሃይ ሰላም የለን

RADIO ERENA – Monday, 15 April 2024

ኲናት ሱዳን ካብ ዝጅምር ሎሚ 15 ሚያዝያ መበል ሓደ ዓመቱ እዩ፣ ብህልኽ ክልተ ጀነራላት ሃገር ዓንያትሉ ኣብ ዘላ እዋን ኲናት ክውድእ ዘኽእል ዕቱብ ዝርርብ ብዘይምህላዉ ደሃይ ሰላም ኣብ ቀረባ ማዕዶ ይርአ የለን::

ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሺር ብለውጢ ዝደልዩ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ወተሃደራቱን ኣገልገልቱን ነበር መራሒ ሰራዊት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ቡርሃን ከምኡ’ውን መራሒ ሓውሲ ወተሃደር ሚሊሽያ ተወርዋሪ ሓይሊ ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ድሕሪ ኣልበሺር ክግበር ዝነበሮ ለውጢ ጨውዮም እዮም፣ ኣብ ናይ ስልጣን ህርፋን ተጸሚዶም ሓድሕዳዊ ኲናት ጀሚሮም::

ዛጊት ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣስታት 30 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሸሞንተ ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ተሰዲዶም ኣለዉ::

ሱዳን ብፍላይ ድማ ከተማ ካርቱም ክትዓኑ እንከላ ዞባ ዳርፉር ድማ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃዊ መበቆል ከምዘለዎም ዝኣምኑ ቀቢላታት ጃምላዊ ህልቂት ይካየድ ኣሎ::

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕርሻ ብሰንኪ ኲናት ክካየድ ብዘይምኽኣሉ 17 ሚልዮን ህዝቢ ተጸበይቲ ረዲኤት ክኾኑ እንከለዉ 5 ሚልዮን ካብኦም ኣብ ጥርዚ ዓጸቦ ከምዝርከቡ ውድብ መግቢ ዓለም ገሊጹ::

ዋጋ መግቢ ብ45 ሚእታዊት ብምውሳኹ ኣስታት ፍርቂ ካብ 46.8 ሚልዮን ህዝቢ ሱዳን ዕለታዊ መነባብርኡ ክገብር ተሸጊሩ ከምዘሎ ብተወሳኺ ተገሊጹ::

ኲናት ኣብ ሱዳን ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወት ብቐሊሉ ዘይግለጽ’ኳ እንተኾነ ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ዝግበር ተጨባጢ ጻዕሪ ብዘይምህላዉ ግን እቲ ኲናት ብሕጂ’ኸ ክሳብ ክንደይ ክጸንሕን እንታይ ዝያዳ ዕንወት ከውርድን እዩ ዝያዳ ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ::

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0