ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ጭሕጊ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም’ዩ

Radio Erena: 24 January 2020

ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብስሉጥ መርበብ ኢንተርነት ዘራኽብ፣ ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ጭሕጊ ገመድ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ጅቡቲ ዞባ ኣፍሪቃ ኤክስፕረስ 1 ወይ ድማ (DARE1) ዝተሰምየ መርበብ፣ 5400 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ንኬንያ፣ ሶማል፣ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ጅቡቲን ዘራኽብ’ዩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብትሕቲ ባሕሪ እናተዘርግሐ ክመጽእ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ገምጋም ባሕሪ ላ ስየስታ ናይ ጅቡቲ በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ‘ዘን ሃገራት፣- ኣብ ሞምባሳ፣ ሞቓዲሹ፣ ቦሳሶን ጅቡቲን ካብ ዝቐውም ማእከላት፣ ውሑስን ስሉጥን ምስግጋር ሓበሬታ ንምክያድ ከኽእል ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ብኩባንያታት ቴሌኮም ናይዘን ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን እብዚ ዝመጽእ ዘሎ ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ 30 ቴራባይት ኣብ ሰኮንድ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ክህልዎ ምዃኑ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ሓቢሮም።

ታንዛንያን ካልኦት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን ናብዚ መስርሕ ክጽንበራ ዕድላት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዓለም፣ እቲ ዝኸበረን ስሉጥ ዘይኮነን ኣገልግሎታት ካብ ዝውንና ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኤርትራ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትረኸብ ደአ ‘ምበር፣ ኣባል እዚ ነቲ ዞባ ምስ ካልእ ዓለም ብዝሰለጠን ዝጸፈፈን መንገዲ ዝራኽብ፣ ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ጭሕጊ መርበብ ኢንተርነት ኣይኮነትን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0