ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 24 January 2020

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ኣብየይ ብዝተጎሃሃረ ናይ ቀቢላ ግጭት፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 32 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ብዘይካ’ዚ መብዛሕቶም ቆልዑ ዝርከብዎም ኣስታት 20 ሰባት’ውን ተጨውዮም ከምዘለዉ እቶም ሰበ ስልጣን ጠቒሶም።

ኣብቲ ብረቡዕ 22 ጥሪ ዝተኻየድ ግጭት፣ ሓያሎ ኣጓዱን ብሳዕሪ ዝተሃንጸ ኣባይቲን ነዲዱ።

ካብ ጎረባብቲ ዓድታት ናይ ሱዳን ዝሰገሩ፣ ናይ ኣዕራብ መበቆል ዘለዎም ሚሰርያ ዝተባህሉ ዕጡቃት ኣብ ደቡብ ሱዳን ናብ እትርከብ ቁሸት ድሕሪ ምእታዊ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ እቲ ጉድኣት ከምዝበጽሐ’ዮም እቶም ሰበ ስልጣን ዝወቕሱ።

ብነዳዲ ሃብታም ኣብ ዝኾነ ዞባ ኣብየይ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ሚሰርያን ዲንካን ዝካየድ ግጭታት፣ እብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት’ውን መዕለቢ ዘይረኸበ ዶባዊ ምስሕሓብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0