“ኣብ 2019፣ ልዕሊ 72 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም” UN

Radio Erena: 25 January 2020

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተዛዘመት፣ ዓመተ 2019፣ ልዕሊ 72 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጠቕላላ 139, 281 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ክገልጽ እንከሎ፣ እቶም 72, 737 ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ካብ ኤርትራ ሰጊሮም ዑቕባ ዝሓተቱ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

“ርክብ ሰላም” ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝተጀመረሉ ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን፣ ብዝሒ ናይቶም ናብ ኢትዮጵያ እናሰገሩ ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ብዝልዓለ ናህሪ’ዩ ወሲኹ።

ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም እስታት 6 ሽሕ ኤርትራውያን ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ።

እቶም ልዕሊ 40% ካብዚኣቶም ብዘይኣላዩ ዝሰገሩ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

መብዛሕቶም እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ዑቅባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ኣብ ክልል ዓፈርን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝነብሩ’ውን ኣለዉ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 735 ሽሕ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ኣዕቍባ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ መነባብርኦም ንምምራሕ፣ ኣብ ሞያዊ ስልጠናን ስራሕን ንምውፋሮም ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ልዕሊ 329 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክስርዑ እንከለዉ፣ ሶማላውያን ብልዕሊ 191 ሽሕ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስርዑ።

ሕቡራት ሃገራት ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም ዝርከቡ ኤርትራውያን’ዮም።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    72 ሽሕ ኣብ 2019 ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም
    ዝብል ዜና ካብ ልቢ ሲሒቀ ሓሲበ ድማ
    ምናልባሽ ቻናዉያን መጺኤን ይወልዳ ከይ ህልዋ
    ኣብ ኤርትራ ዕውር ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህዝብን
    መንግስትን ኤርትራ ሃለውለው ኢዩ ዘብል እንተ
    ህዝብን መንግስትን ኤርትራ መጻኢኦም ቡሩህ
    ኮይኑ ኣሎ።