ምብራቕ ሱዳን፣ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን ሞይቶም

ምብራቕ ሱዳን፣ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን ሞይቶም

Radio Erena: 10 December 2018

Sudan helicopter crash

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ፣ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር፣ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ሙርቓኒ ሳልሕን፣ ኣዘዚ ፖሊስ ናይቲ ዞባን ሚኒስተር ሕርሻን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ጠንቂ’ቲ ብ9 ታሕሳስ ዘጋጠመ ሓደጋ ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ዞባ ገዳርፍ ንምዕላብ ኣብ እትቃረበሉ ዝነበረት እዋን ምስ ነዊሕ ናይ ሓጺን ግንቢት ብምግጫዋ ብዝተፈጥረ ባርዕ ከምዝተሓምሸሸት’ዩ ይጥቐስ።

ተደጋጋሚ ሓደጋ ነፈርቲ ዝርኣየ ሱዳን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም እዚ ንሳልሳይ እዋኑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ክልተ ነፈርቲ ብምግጫወን ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

ቅድሚኡ’ውን ሓንቲ ወትሃደራዊት ነፈርቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ክልተ ኣብረርታ ሞይቶም’ዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0