ፕረዚደንታት ሱዳንን ጂቡቲን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካዪዱ

ፕረዚደንታት ሱዳንን ጂቡቲን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካዪዱ

Radio Erena: 09 December 2018

Abiy Beshir Guelle

ፕረዚደንታት ሱዳንን ጂቡቲን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

ፕረዚደንታት ዑመር ኣልበሽርን፣ ኢስማዒል ዑመር ገለን ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ኢንዱስትሪያዊ ዞባን ማእከል ሕክምናን ዝኣመሰሉ ትካላት መሪቖም።

እቶም መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነቲ ኢትዮጵያ ቅዋም ዘጽደቐትሉ ከም ሃገራዊ በዓል ዝዝከር መዓልቲ ንምጽምባል እዮም ትማሊ 8 ታሕሳስ ናብታ ሃገር ኣትዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ምትፍናን ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ንክልቲኦም ወገናት ከቃራርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዑደት ዘካዪደሉ ዘሎ ኣጋጣሚ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ንምትዕራቖም ፈተነ ከምዝገብር ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፣ ቆንስል ሚኒስተራት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጋብኣሉ፣ ኤርትራ ምስ ጂቡቲን ሱዳንን ዘለዋ ቅርሕንቲ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ምዝርራቡ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፣ ዕለት 12 ዋዕላኡ ኣብ ዝዛዘመሉ ግና ብዘይመግለጺ እዩ ተፋንዩ።

ኣብ ጥሪ 2018 ሱዳን ጸጥታይ ትዘርገለይ ኣላ ብምባል ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ከቢድ ወተሃደራዊ ሓለዋ ኣዋፊራትሉ ከምዝነበረት፣ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብድሕሪኡ ከኣ ኤርትራ፣ ሱዳን ንፕረዚደንት ኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ንምዕላው ምስ ቐጠር ኮይና ትሰርሕ ኣላ ብምባል ምክሳሰን ይዝከር።

ኣብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽሳስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ብቀዳም 8 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ተኸሲሶም ዘለዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየዱ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኢድ ኔሩዎም ብምባል ምዃኑ ሺን ሁ ዋ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 60 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ስለያን ዝርከብዎም ሰበስልጣናት ብክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ይፍለጥ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0