ኢጣልያ፣ 1.6 ሚልዮን ኤውሮ ዝግመት ረዲኤት ንኤርትራ ከተበርክት’ያ

ኢጣልያ፣ 1.6 ሚልዮን ኤውሮ ዝግመት ረዲኤት ንኤርትራ ከተበርክት’ያ

Radio Erena: 10 December 2018

Italy aid

መንግስቲ ኢጣልያ፣ 1.6 ሚልዮን ዝግመት ረዲኤት ንኤርትራ ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ነዚ ዝገለጸ፣ ብምክትል ሚኒስተር ናይቲ ሚኒስትሪ ኢማኑኤላ ደል ረ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ድሕሪ ምዝዛሙ’ዩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል ረዲኤት፣ ብቀንዱ ንቆልዑን ኣዴታትን መኣዛዊ መግብታት ኣብ ምቕራብ፣ ክታበት ቆልዑ፣ ከምኡ ድማ ሕርሻዊ መሳርሒታት ዘጠቓለለ’ዩ።

እቲ ረዲኤት ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ( Unicef) ን ውድብ መግቢ ዓለም ( FAO)ን ‘ዩ ንኤርትራ ክወሃብ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ኣስመራ፣ ኦሮታ ሆስፒታል ኣገልግሎት ዝጀመረ ክፍሊ ሕክምና ልቢ’ውን ብናይ ኣስታት 400 ሽሕ ኤውሮ ሓገዝ መንግስቲ ኢጣልያ ከምዝተሃንጸ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ይገልጽ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያን ሚኒስተር ጥዕና ኤርትራን ነቲ ክፍሊ፣ መሪቐን ከምዝኸፈትኦ ኤሪ ቲቪ ምግላጻ ይዝከር።

==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0