ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ጁባ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ዝኸተሙ ወገናት ትግባረኡ ይጠልቡ

Radio Erena: 08 December 2021

ንምብራቕ ሱዳን ብምውካል፣ ኣብ ጁባ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ዝኸተሙ፣ መራሕቲ ቀቢላታትን ምንቅስቓሳታን፣ ብዝቐልጠፈ ክትግበር ጸዊዖም።

እቶም ብምትእኽኻብ ምብራቕ ሱዳን ዝፍለጡ ጉጅለታት፣ እቲ ኣብ ጁባ ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ እንደገና ናብ ዘተ ከምዘይወርድን ብዝቐልጠፈ ክትግበርን፣ መራሕቱ ካልድ ሻውሽን ዖስማን ስዒድን ከምዝጠለቡ ራድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

ምዕሩይ ዜግነት ካብ ቀንዲ ጠለባት ዝኾነ እቶም ናይ ምብራቕ ሱዳን ምትእኽኻብ፣ ምድንጓይ እቲ ስምምዕ ናብ ጎንጽን ብረታዊ ቃልስን ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ምትእኽኻብ ምብራቕ ሱዳን፣ ነዚ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ፣ ነቲ ስምምዕ ዘይከተመን ክስረዝ’ውን ዝጠልብን፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ- ናዚሪስ፣ ደጊሙ ንወደብ ፖርት ሱዳንን ካብን ናብን ዘእቱ መንገድታትን ክዓጹ ከምዝኽእል ኣብ ዘጠንቅቐሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

‘ምብራቕ ሱዳን ብመንግስቲ ተነጺሉ’ዩ’ ዝብል መረረ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ቀቢላታትን ምንቅስቓሳትን እቲ ዞባ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን ከም ቀንዲ ማሕንቖ’ዮም ዝጥቀምሉ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0