መራሕቲን ሰበ ስልጣን ሶማል፣ እታ ሃገር ኣንጸላልዩዋ ንዘሎ ደርቂ ንምምካት፣ ሚልዮናት ዶላር ወፍዮም

Radio Erena: 08 December 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሑሰን ሮብለ፣ ኣብታ ሃገር ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሓደገኛ ደርቂ ንምምካት፣ ሓደ ሚልዮን ዶላር ከምዝወፈየ ተገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል ሓደ ሚልዮን፣ ቤት ምኽሪ ንግዲ እታ ሃገር ድማ 2 ሚልዮን ዶላር፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ ከምዝወፈዩ ኣፈኛ መንግስቲ ሶማል፣ መሓመድ ኢብራሂም ሙዓሊሙ ንማዕከናት ዜና ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ’ውን ናይ ወርሒ ሕዳር ደሞዙ፣ ደርቂ ንምምካት ከምዝወፈየ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር መጠን ናይቲ ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዙ ኣይተጠቕሰን።

ሶማል፣ ኣንጸላልዩዋ ብዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ትርከብ።

ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተሸሚማ እትርከብ ሶማል፣ ባህርያዊ ነቕጺን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተደሚርዎ፣ ኣስታት 2.8 ሚልዮን ህዝቢ ንከቢድ ስእነት ማይን መግቢን ተቓሊዑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ብተኸታታሊ ንራብዓይ እዋኑ ዝቐጸለ ትሑት ናይ ዝናብ ወቕቲ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ኩነታት ደርቂ ከምዘጋደደ ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ሸነኽ እታ ሃገር፣ ልዕሊ 130 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ፣ ማይን መግብን ንምምእራር፣ ከብቲ፣ ጤለ-በጊዕን መጽዓኛን ኣሰንዩ፣ ይሳግም ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

እቲ ኩነታት ብኸምዚ እንተቐጺሉ፣ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ካብ 16 ሚልዮን ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሶማል፣ እቲ ፍርቂ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ፣ ተጻባይ ረዲኤት ከይከውን፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ህጹጽ ሓገዝ ከበርክት፣ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0