ኣመሪካ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ብሄር ዝፈለየ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዘተሓሳሰበን ገሊጸን

Radio Erena: 08 December 2021

ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያ፣ ደንማርክን ኔዘርላንድስን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍጽሞ ዘሎ ብሄር ዝፈለየ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ከምዘተሓሳሰበን ገሊጸን።

እዘን ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብብሄር እናፈለየ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ብዘይ ፍርዲን ክሲን ቀይዱ ከምዘሎ ወቒሰን።

እቲ መንግስቲ ኣብ 2 ሕዳር ናይ ህጹጽ እዋን ካብ ዝእውጅ ንደሓር፣ ምስ ህወሓት ምትእስሳር ኣለዎም ብዝብል ክሲ፣ ብፍላይ ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

እዞም ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገፊፎም ዝተወስዱ ተወላዶ ትግራይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከራት ተኣሲሮም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣብ ከተማታት ገፊፉ ዝኣሰሮም ተወላዶ ትግራይ፣ ምሩዃት ኵናት እናበለ ኣብ ማዕከን ዜናታቱ የቕርቦም ከምዘሎ ‘ውን ይውቀስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐ፣ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዝርከቦ ሰፊሕ ከባቢታት ሸዋ፣ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያ መጥቃዕታት ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ናይ መወዳእታ ዒላማ መጥቃዕቱ ኣበይ ከምዝዛዘም እኳ እንተዘየነጸረ፣ ‘ተደምሲሶም’ዮም’ ንዝበሎም ሓይልታት ትግራይ፣ ናይ ምልቃም ስርሒት ጥራይ ከምዝተረፈ’ዩ ዝጉስጉስ።

ንዝበዝሐ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዝነበረ ከባቢታት፣ ንስልታዊ ዒላማ ከምዝሓደግዎ ዝሕብሩ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ኣብ ሓጺር እዋን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘመዝገብዎ ታሪኻዊ ዓወታት ንላዕሊ ከመዝግቡ ምዃኖም ይእንፍቱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0