ኤርትራ፣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቐይዶም ዝጸንሑ 166 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 02 June 2023

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቀይዶም ዝጸንሐ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም
ከምዘፋነዎም ኣራብ ኒውስ፣ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ፣ ብ31 ግንቦት፣ ኣቃሊሑ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ዓሳ እናገፈፉ ዝሓዞም ጠቕላላ ብዝሒ የመናውያን 267 ምዃኑ ዝሓበረ እቲ
መረበብ ዜና፣ 101 ገና ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉ ጠቒሱ።

ካብቶም ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ የመናውያን፣ እቶም 115፣ ብ30 ግንቦት፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ
ናብ እትርከብ ቁሸት ኮካ ክኣትዉ እንከለዉ፣ እቶም 51 ድማ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናብ እትርከብ ናብ
ወደባዊት ከተማ ሞካ ክበጽሑ ከምዝኸኣሉ’ዩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም የመናውያን ጀላብኦምን መግፈፊ ዓሳ ናውቶምን ስለዝሃገሮ፣ ካብ የመን
ብዝተላእካ ጀላቡ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ’ዩ እቲ ምንጪ ኣመልኪቱ።

እቶም የመናውያን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ
ከምዝተታሕዙ’ዩ ተገሊጹ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን፣ ብጉዳይ ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽ ካብ 1995 ኣትሒዙ
ንዝተፈጥረ ረጺሚ፣ ኣብ 1999 ኣህጉራዊ ዳንነት ኣብ ዝተዋህበሉ፣ ዝበዝሐ እቲ ዘሰሓሓባ ክፋል
ደሴታት፣ ንየመን ክህወብ እንከሎ፣ ኣብ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳን ክገፍሉ ዝኽእሉ ክሊ ማይን
ግና ዛጊት ዘየሰማምዕ ነጥብታት ከምዘሎ ይግለጽ።

ኤርትራ፣ ናብቲ ክሊ ማያት ንዝኣትዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብተደጋጋሚ ክትቅይድን
ንብረቶም ክትህግርን ከምዝጸንሐት ብወገን መንግስቲ የመን ቀጻሊ’ዩ ወቐሳ ዝቐርብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ግና ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ‘ውን ኣይህበሉን’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0