ማእከላይ ባሕሪ፣ ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ዝጠሓላ ጀላቡ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም፣ 234 ድሒኖም

Radio Erena: 09 May 2023

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ክሊ ማይ ላምፔዱሳ፣ ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ብምጥሓለን፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ሲብሩክ ዝተባህለ፣ ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ናይ ብሕቲ ትካል ምድሓን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ናዲርን ረስኪሺፕን ዝተባህለ መራኽብ ን234 ሰባት ከምዘድሓና ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፣ ናብ 6 ግንቦት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ክሊ ማይ ላምፔዱሳ ከምዘጋጠመ ብምሕባር፣ ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ዝተበገሳ ክኾና ከምዝኽእላ ኣስሚርሉ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፣ ነቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት፣ ካብተን ናይ ብሕቲ መራኽብ ተረኪቡ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ ከምዘሰጋገሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ገሊጹ።

ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብዚ ወርሓት እዚ፣ ካብ ማዕበላት ዝሃድኣሉ ወቕቲ ምስ ምዃኑ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሳ፣ ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ብብዝሒ ክመጽኣ ትጽቢት ይግበር።

ዋሕዚ ስደተኛታት ዘስግኣ ኢጣልያ፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከምዘሕለፈት ይዝከር።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0