‘ካብ ከባቢ ከሰላ ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ 95 ኤርትራውያን ደሃዮም ጠፊኡ።’

Radio Erena: 08 May 2023

ኣብ ካርቱም ከባቢኣን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሃዲሞም፣ ናብ ከሰላ ዝተበገሱ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ታላታ ዓሸር ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም፣ 95 ካብኣቶም ደሃዮም ከምዘይፍለጥ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብቶም ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ምስ ስድራቤታቶም ዝተራኸቡ ከምዘለዉ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ተቓወምቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝርከብዎም፣ መብዛሕቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ 95 ሰባት ዛጊት ደሃዮም ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ኣተሓሳሲቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ሸሞንተ ካብቶም ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ደሃዮም ዝጠፍአ ኤርትራውያን ድቂንስትዮ’የን።

ኣብ ካርቱም ከባቢኣን ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ገሊኦም ናብ ኢትዮጵያ ገሊኦም ድማ ናብ ከባቢ ከሰላን ካልእ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳንን ከምዝተበታተኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ ከባቢ ከሰላ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፣ ካብ ዓቕሙ ንላዒሊ መሊኡ፣ መግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ክቕርብ ብዘይምኽኣሉ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብታ ከተማ ቀንፈዘው ክብሉ’ዮም ዝርኣዩ።

ናይ ጣዕሳ ፎርም ዝመልኡን ፓስፖርት ዝጸንሖምን፣ ብመንገዲ ታላታ ዓሸር ናብ ኤርትራ ክሰግሩ እንከለዉ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ኣብ ምዝዋን ይርከቡ።

ዛጊት ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ዘ ጋርድያን ይጠቕስ።

ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ንሓደ ጉዕዞ ናይ ኣውቶቡስ ትኬት፣ ልዕሊ 400 ዶላር እናኸፈሉ ናብ ደቡብ ሱዳን ንምስጋር ይፍትኑ ምህላዎም’ውን ክሕበር ጸኒሑ።

ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተበገሱ ‘ሞ ደሃዮም ዝጠፍአ 10ታት ኤርትራውያን ከምዘለዉ’ውን ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ድማ፣ ብዛዕባኹም ዝኾነ መምርሒ ኣይተዋህበናን ብዝብል፣ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ኣብ ከባቢ መተማ ዓጊቱ፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ሒዝዎም ምህላዉ ይንገር።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ግዳያት ሞትን ካልእ መጉዳእትን ናይ ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ዛጊት ብንጹር ዝተረኽበ ሓበሬያ የለን።

ይኹን’ምበር ዘ ጋርድያን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ፣ ስሞም ዘይጠቖሶም ተጣበቕቲ ንዝሃብዎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ሰለስተ ሰሙኑ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት፣ ብውሕዱ ትሽዓተ ኤርትራውያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣመልኪቱ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0