ሰራዊት ሶማል፣ ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝሓዘ ገሊጹ

Radio Erena: 09 May 2023

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ማእከላይ ሶማል፣ ዞባ ጋልጋዱድ፣ ብሰንበት 07 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ ንሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝሓዘ መግለጺ መንግስቲ ገሊጹ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብቲ ኣብ ከባቢታት ሑል ኣዱርን ሓላነይን ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ኤልዲሒር ኣብ ዘካየዶ ዝተዋደደ ስርሒታት፣ ነቶም ብዝልዓለ ክሃድኖም ዝጸንሐ መራሕቲ ኣልሸባብ ክሕዞም ከምዝኸኣለ’ዩ እቲ ምግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ዓብዲ መሓመድ፣ ዓሊ ኣብጋሎውን መሓመድ ኣልሶውን ዝተባህሉ ሰለስተ መራሕቲ ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ጋልጋዱድ ካብ ዝንቀሳአሳ መካይን፣ ብግዴታ ገንዘብ ብምእካው፣ ንኣልሸባብ ብፊይናንስ ክሕግዙ ዝጸንሑ ምዃኖም ‘ዩ ተመልኪቱ።

ዞባ ጋልጋዱድ፣ ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣልሸባብ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ነቲ ዞባ ከምዝተቖጻጸሮ ‘ዩ ዝሕበር።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ከምዘተኩር’ዩ ኣተንቢሁ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ብምስላፍ፣ ኣንጻር እልሸባብ ዝተወሃሃደ ስርሒታት ከካይዱ ትጽቢት ከምዘሎ መርበብ ዜና ጋረወ ሓብሩ።

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ጋልምዱግ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ይጠቕስ።

ሶማል፣ ክሳብ መወዳእታ 2024፣ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን፣ ፕረዚደንት ሓሰን ኣቐዲሙ ተመባጺዑ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0