ትግራይ፣ ኣማኢት ሰባት ብዓጸቦ ይሞቱ ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: Monday, 08 January 2024

ኣብ ኢትዬጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናትን ደርቂን ዘስዓቦ ስእነት መሰረታዊ መግብታት፣ ኣብዚ እዋንውን፣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ናይቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜት፣ ብፍላይ ንኣዴታት፣ ቆልዑን ኣረጋውያንን ናብ ኣፈፌት ሞት ኣብጺሖም ምህላዉ ማዕከናት ዜና የተሓሳስባ።

ካብ መስከርም ኣትሒዙ ክሳብ ኣስታት 800 ሰባት ብ ዓጽቦ ከምዝሞቱ’ዩ አቲ ክልል ዘመልክት።

ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዘቕረበቶ ዜና መሰረት፣ ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 120 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ኣበርጌሌ፣ ብሰንኪ ዓጸቦ ልዕሊ 90 ሰባት ሞይቶም።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ 13 ንኡስ ምምሕዳር ወይ ቀበሌታት፣ ኣብ ክራማት ብሰንኪ ዝነበረ ደርቂ፣ ምህርቲ ንምሕፋስውን ስለዘይክኣሉ ብዝያዳ ከምዝተሃስያዩ ምምሕዳር ዝጠቕስ።

መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ብዛዕባዚ ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ደርቂን ዓጸቦ ዘሰዕቦ ዘሎ ሞትን ብዝምልከት መግለጺታት ክህብ ይኹን ናይ ደገፍ ጻውዒት ከቕርብ ኣይተሰምዐን።

ኣብ ኢትዬጵያ፣ ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ተጸባዪ ረዲኤት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ልዕሊ 13 ሚልዮን ከምዝግመት ትካላት ረዲኤት የመልክታ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0