ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣተኵሩ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኢትዮጵያ፣ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ሕቶ ወደብ ከተቕርብ ጻዒውት ቀሪቡ

Radio Erena: Monday, 25 September 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ጸጥታን ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሕቶ ወደብ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ከቕርብ ከምዝተማሕጸነ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብታ ከተማ ሓቢራ

እቲ ብኢንስቲትዩት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮሌጅ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ተወዲቡ ብ24 መስከረም ዝተኻየደ፣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ዋንነት ወደብን ኣተኵሩ ዝተጋብአ ዋዕላ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ማዕረ’ተን ካልኦት ንቀይሕ ባሕሪ ዝጓየያሉ ዘለዋ ሓያላን ሃገራት፣ ሓያል እትኾነሉ ሓደ መንገዲ፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ዝህልዋ ጽልዋ ምስ ዝዓቢ ጥራይ ምዃኑ’ዩ መኺሩ።

ምክትል ዋና ዳይረክተር ኢንስቲትዪት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣቶ መሳፍትን ተፈራ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ገሊልካ ምቕጻል ስለዘይክኣላ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግዴኣ ክትጻወት ኣለዋ ከምዝበለ’ዩ ተመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ዋዕላ ክካየድ ወግዓዊ ፍቓድ ምሃቡ፣ ምስ ዋንነት ወደብ ብዝተሓሕዝ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ወጥሪ ከስፍን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ዝተፈላልዩ ኣውፈርትን ኣካይድቲ ሜድያታትን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ኣማራጺታት ወናኒት ወድብ ክትከውን’ያ ክብል ክከምዝተዛረበ ክግለጽ ምቕናዩ ዘ ሪፖርተር ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ ኣላ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991፣ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተረፈት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላለየ ኣማራጺታት ወናኒት ወደብ ክትከውን’ያ ዝብል መግለጺ ይደጋገም ምህላዉ፣ እቲ ቀዳማይ ስግኣት ናብ ኤርትራ ዘንቀደ’ዩ።

ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ካብ ኤርትራ ክትረክብ ምዃና ተጠቒሱ እኳ እንተነበረ፣ ዛጊት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ወደብ ዓሰብ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ንፍሉይ ጉዳያት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ነገራት ንመራኽብ ኢትዮጵያ ከኣንግድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ወደባት ኤርትራ፣ ኣብ ንግድን ወፍሪን ንዝተኮረ ኣገልግሎታት ንኢትዮጵያ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዕጽው’ዩ ዘሎ።

ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታታት ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ፣ ኣምራጺታት ንምንዳይ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን መንግስቲ ኬንያን ስምምዓት ከቲማ’ያ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0