ምዕራብ ዳርፉር፣ ኣብ ጋህሲ ዝተቐብረ ናይ 87 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ

Radio Erena: Friday 14 July 2023

ኣብ ሱዳን፣ ምዕራብ ዳርፉር፣ ኣብ ጋህሲ ዝተቐብረ ናይ 87 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ሬሳታት፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ብዝምርሑ ፈጣን ሓይልታትን ደገፍቶም ሚሊሻን ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ምዃኑ ዘእምን ሓበሬታ ከምዘለዎ ‘ዩ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ብሓሙስ 13 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ምዕራብ ዳርፉር፣ ከባቢ ከተማ ኤል ጀኔና፣ ኣብ ዝተረኽበ ጋህሲ ዝተቐብሩ ሰባት፣ ካብ ዓሌት ማሳሊት ዝውለዱ ጸለምቲ ደቀባት ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቶም 37 ሰባት ብ20 ሰነ፣ እቶም ካልኦት 50 ድማ ንጽባሒቱ፣ ብጅምላ ዝተቐትሉ ‘ዮም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ’ውን ንጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝነቐፈ ኣማሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር፣ ኣብ ከተማ ኤል ጀኔና ከምዝተቐትለ ይዝከር።

ኣብ 2005 ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ዳርፉር፣ ኣብቲ እዋን ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ድሒሩ ናብ ፈጣን ሓይልታት ዝፈለቐ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ እዚ፣ ብገበናት ኵናት ከምዝኽሰስ ይፍለጥ።

ስእሊ- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0