መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ዓድታት ዞባ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ምፍራስ ይቕጽሎ ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ዓድታት ዞባ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ምፍራስ ይቕጽሎ ኣሎ

Radio Erena : 04 March 2015

Daro

መንግስቲ ኤርትራ ትማሊ ሰሉስ 3 መጋቢት ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ብ17 ለካቲት ኣብ ጸሎት ብተመሳሳሊ ኣገባብ 105 ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ተጠቒሱ’ዩ።

ህዝቢ ንዝተዓደሎ ናይ ጤሳ መሬት መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሕ ዓቕሚ ስለዝሓጸሮ፣ ገንዘብ ምስዘለዎም ብምሽራኽ፣ ነቲ ፍርቂ እናሸጠ ነቲ ፍርቂ ድማ መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

 

መንግስቲ ናይ ጤሳ መሬት ክሽየጥ ፍቑድ ኣይኮነን ብዝብል ኣዋጅ፣ ነቶም ድሮ መሬቶም ዝሸጡን ናይ ጤሳ መሬት ዝዓደጉን ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ብተደጋጋሚ እዋን ከጠንቕቕ እኳ እንተጸንሐ፣ ነቲ ህዝቢ ሚልዮናት ናቕፋ እናውጸ ክሰርሖ ዝጸንሐ ኣባይታ ብኣግኡ ደው ንምባሉ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ፣ ንህዝቢ ኣብ ተወሳኺ ጸገማት ሸሚምዎ ይርከብ።

ህዝቢ’ውን ነዚ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ስጉምቲ፣ ብግሁድን ብስምውሩን ተቓውሞታቱ ይገልጽ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ከባቢታት ጸጸራት- ቤት መኻእን ኣርባዕተ ኣስመራን ብተመሳሳሊ ምኽንያትን ካብ ፍቓድ መንግስትን ካብ ውጥን ከተማ ወጻኢን ተሰሪሑ ንዝተባህለ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዝፈረሰ ተቓሊሑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝኸበደ ክፋል መነባብሮ ኮይኑ ዘሎ፣ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ዝኾነ ቆላሕታ ክገብረሉ ኣይተራእየን።
==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0