ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ መንእሰያት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዝተጨዩ ይግለጽ ኣሎ

ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ መንእሰያት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዝተጨዩ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena : 04 March 2015

sigre dob

ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ መንእሰያት፣ ናብ ከተማ ካርቱም እናምርሑ ከምዝተጨውዩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ካብ ሸገረብን ናብ ካርቱም ብመኪና እናምርሑ’ዮም መንነቶም ብዘይተፈልጠጡ ብረት ብዝዓተቑ ሰባት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ተጨውዮም።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ካብ ዝረኽበናሉ፣ ነቶም ተጨዮም ዝብሃሉ ዘለዉ ኤርትራ ንምርካብ ሬድዮ ኤረና ጻዕርታት እኳ እንተካየደት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብኣካል ንምዝርራቦም ኣይተኻእለን።

 

እንተኾነ፣ እቶም ጨውዮሞም ዘለዉ ዕጡቓት ናጻ ንኽለቕዎም ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ይሓቱ ምህላዎም ይንገር ኣሎ።

መንነት እቶም ጨወይቲ ዛጊት ክንጸ እኳ እንተዘይክኣለ ምስ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ምትሕብባር ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኻል ጥርጣረታት ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ምጭዋይን ስደተኛታት ንምግታእ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከምዘቖመ እኳ እንተገለጸ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምጥባር ደኣ’ምበር ብመደብ ክሰርሓሉ ዝኣመነሉ ጉዳይ ኣይኮነን እናተባህለ ክሕመ ጸኒሑ’ዩ።

ምጭዋይ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብመጠኑ እናጎደለ ክመጽእ እኳ እንተጸንሐ፣ እቲ ብመንገዲ ተሰነይ፣ ሓምዳይ፣ ወደል ሒሉ፣ ከሰላን ካልእ ቦታታትን ናይቲ ከባቢን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብ ኣሻቓሊ ጉዳያት’ዩ።

=========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0