ኤርትራ፣ ንኣስታት 10 ዓመታት ዝተኣስሩ ሓያሎ ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቖስጣል ከምዝተፈትሑ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: Monday, 14 August 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ እምነቶም ንኣስታት 10 ዓመታት ዝተኣስሩ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ጴንጠቆስጣል ከምዝተፈትሑ ይግለጽ ኣሎ።

ንመሰል ኣመንቲ ክርስትና ዝጣበቕ፣ ባፕቲስ ፕረስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ሜድያ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቶም ብ09 ነሓሰ ዝተፈትሑ ኣመንቲ ብዝሖም 13’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ፣ ኣማኢት ሰዓብቲ ዝተፈላለያ እምነታት ክርስትናን ምስልምናን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዝቡሓት ካብቶም ንዓመታት ብዘይሕጋዊ መስርሕን ፍርዲን ቀይዱዎም ዝጸንሐ ኣመንቲ፣ በብእዋኑ ዝፈትሕ እኳ እንተኾነ፣ መራሕቲ ሃይማኖታትን ሽማግለታትን ንዝርከብዎም ኣቦታት ግና ንኣስታት 20 ዓመታት ኣሲርዎም ይርከብ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ብዘይሕጋዊ መስርሕ፣ ከካብ ዝጸንሕዎ ዓፊኑ ዝወስዶም ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምስቓይን፣ ግቡእ ሕክምና ከይረኽቡ ብምኽልካልን ብዙሓት ግዳያት ሞትን ነባሪ ስንክልናን ከምዝገበሮም ተሰኒዱ ይርከብ።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን መሰል ሃይማኖታት ዘይክበረለን ቀዳሞት ሃገራት ዓለም’ያ።

ዜጋታታ ብፍርሕን ራዕድን ኣብ ዝንበርሉ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህበን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ፣ ካቶሊካዊት፣ ወንጌላዊት-ሉተራዊትን ኣብያተ ክርስትያንን እስልምና ሱናን፣ ዜጋታት ካልእ ዓይነት እምነታት ክስዕቡን ክተኣኻኸቡን መሰል ከምዘይብሎም ይፍለጥ።

እተን ብመንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጢ ዝተዋህበን ኣርባዕተ ሃይማኖታት’ውን እንተኾና፣ መንግስቲ ጽኑዕ ቁጽጽርን ቀይድታትን ከምዝገብረለን በብእዋኑ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ የመልክት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0