ኣልቡርሃን፤ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እንተዘይክኢሎም፤ ስልጣኖም ከረክቡ ጸዊዑ

Radio Erena: 09 April 2023

ኣቦ ወንበር ላዕለዋይ ቆንስል ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፤ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እንተዘይክኢሎም፤ ስልጣኖም ከረክቡ ጸዊዑ።

ንሱ፤ ፍጡር ናይ ጾመ ሮሞዳን ንምኽባር ምስ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ናይ ድራር ምሸት ኣብ ዘስመዖ ቃል፤ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ምስ ተመሳሳሊ ኣጀንዳታት ምክያድ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ብምጥቃስ፤ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ስልጣን ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክሰጋገር፤ እዋኑ እዩ ኢሉ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ፤ 48 ሚእታዊት ናይቲ ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ ክውንን እዩ ዝሓትት ዘሎ። ብተወሳኺ ምልሻ ጃንጃዊድ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ክጽምበር ዝብል ነጥቢ ኣፈናዊ ስምምዕ እኳ እንተተገብረሉ፤ ንመስርሓቱ ብዝምልከት ግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ጭቡጥ ውሳኔ ከምዘይተበጽሐ እዩ ዝፍለጥ።

ምድንጓይ ንምቛም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፤ ናብ ሓድሽ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከይሰጋገር፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፤ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝርከብዎም ሃገራት ምዕራብ፤ ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ፤ ምስ ኩሎም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ሱዳን ኣብ ዝገበረቶ ናይ ቴሌፎን ርክብ፤ መንግስቲ ሃገራ፤ ኣብ ሱዳን ሓድሽ ሲቪላዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክትከል ሓገዝ ከበርክት ድሉው ከምዘሎ ኣፍሊጣ’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0