ኣብ ኤርትራ፣ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ተታሒዘን ዘለዋ ክልተ መራኽብ ሪፖብሊክ ማልዲቭስ ንምልቓቕ ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: Friday 23 June 2023

ኤርትራ፣ ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ቀይሕ ባሕራ ኣትየን ዝተባህላ፣ ክልተ ነዳዲ ዘመላልሳ መራኽብ ከምዝቐየደት ኣህጉራዊ በዓል መዚ ኣገልግሎታት ወደብ ኣመልኪቱ።

እተን ናይ ሪፖብሊክ ማልዲቭስ ምዃነን ዝተሓበራ መራኽብ፣ ምስ ኩነታት ኣየር ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመን ሓደጋ፣ ብ26 ሚያዝያ፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ከምዝተጸጋዓ’ዩ ተጠቒሱ።

እንተኾነ፣ ኣቐዲመን ናብ በዓል መዚ ኣገልግሎታት ወደብ ኤርትራ፣ ዝኾነ ናይ ህጹጽ ሓገዝ ጻውዒት ስለዘየቕረባ፣ ብዓይኒ ስግኣት ተጠሚተን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓላ፣ ወናኒ እተን መራኽብ ዝኾነ ኩባንያ ቀረባት ነዳዲ ማልዲቭስ ሓቢሩ።

እቲ ኩባንያ ብተወሳኺ፣ ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ፣ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ተፈቲሖም ናብ ማልዲቭ ክበጽሑ እንከለዉ፣ እተን ነፍሲ ወከፍን ኣስታት 200 ሽሕ ሊትፎ ነዳዲ ከመላልስሳ ዝኽእላ ማእከላይ ዓቐን ዘለወን መራኽብ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ማልዲቨስ እተን መራኽብ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ዝፋነዋሉ መንገድታት ንምርካብ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ይዘራረብ ከምዘሎ መርበብ ዜና እታ ሃገር፣ ኣቶል ታይምስ፣ ብ12 ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

እተን ኣብ ኤርትራ ተታሒዛ ዘለዋ ክልተ መራኽብ፣ መንግስታዊ ትካል ዝኾነ ኩባንያ ቀረብ ነዳዲ ማልዲቭስ፣ ኣብ 2019 ካብ ግብጺ ዝሸመተን ኣርባዕተ ነዳዲ ዘመላልሳ ተመሳሰልቲ መራኽብ ምዃነን ንኣካያዲ ስራሕ፣ መሓመድ ቓስም ብምጥቓስ እቲ መርበብ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ናይ 15 ሰነ ፈነወና፣ እተን መራኽብ ናይ ማልዶቫ ምዃነን ብምጥቃስ ዘቕረብናዮ ዜና ብጌጋ ምንባሩ ይቕሬታ ንሓትት።

ማልዶቫ ኣብ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ክትከውን እንከላ፣ መራኽባ ኣብ ኤርትራ ተታሒዝን ዘለዋ ሪፖብሊክ ማልዲቭስ፡ ድማ ኣብ ደቡባዊ ኤስያ፡ ኣብ ማእከል ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝርከባ እኩባት ደሴታት ዝቖመት፡ ንእሽቶ ሃገር’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0