ኣብ ኤውሮጳ ዓመታዊ ልዕሊ 3,000 ደቂንስትዮ ብመጻምድተን ወይ ብኣባላት ስድራቤተን ይቕተላ

Radio Erena: Wednesday, 29 November 2023

ዓመታዊ ዝካየድ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ትማሊ ቀዳም 25 ሕዳር ተኸቢሩ።

ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዓመት ልዕሊ 3,000 ደቂንስትዮ ብመጻምድተን ወይ ብኣባላት ስድራቤተን ይቕተላ፣ ማእለያ ዘይብለን ካልኦት ድማ ይጉድኣን ይግፍዓን።

ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንኹለን ደቂንስትዮ ዝጸሉ ኮይኑ ኣካላዊ፣ ጾታዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ግህሰትን ምዝመዛን ይርከብዎም።

ብዓለም ደረጃ ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂንስትዮ፣ ኣብ ዕድሚኣ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥማ።

32% ካብዚ ኣብ ቦታ ስራሕ ይፍጸም።

ኣብ ሰሙን ድማ ብውሕዱ ክልተ ደቂንስትዮ ኤውሮጳ፣ ብናይ ቀረባ መጻምድቲ ወይ ኣባል ስድራቤት ይቕተላ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንደቂንስትዮን ህጻናትን ካብ ጾታ መሰረት ዝገበረን ዘቤታዊ ዓመጽን ብሕጊ ንምክልኻል ንፈለማ እዋን ብደረጃ ሕብረት ኣብ 2022፣ እማመ ኣጽዲቑ።

እቲ እማመ፣ እቶም ኣዝዮም ከበድቲ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸሙ፣ ከም ምግሳስ፣ ምኽንሻብ፣ ናይ ሳይበር ዓመጽ እዚ ማለት ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት ተጠቒምካ ቀጻሊ ዝካየዱ ጸለመ፣ ጸርፊ፣ ምፍርርሓት እንተላይ ውልቃውያን ዝኾኑ ምስልታት ብዘይ ፍቓድ ምዝርጋሕ ከም ገበን ክቑጸሩ ዝዓለመ እዩ።

ብዘይካዚ ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ብተቐማጦ ኤውሮጳ ዝካየድ ምኽንሻብ ደቂንስትዮ፣ ከም ዓቢ ገበን ተራእዩ ደው ንምባሉ ጻዕርታት ክካየድ ኣተሓሳሲቡ።

ምኽንሻብ ደቂንስትዮ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈላለየ ሕጋዊ መቕጻዕቲ የኸትል።

ከም ኣብነት ኣብ ብሪጣንያ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ፣ ፈረንሳ 10 ዓመት ማእሰርትን €150,000 መቕጻዕትን፣ ስዊዘርላንድ 10 ዓመታት ማእሰርቲ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0