መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 272 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ድሒኖም

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 272 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ድሒኖም

Radio Erena: 04 August 2017

eri

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተሓበሩ 272 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ድሒኖም።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝነጥፍ ዘሎ ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ካብቶም ብ2 ነሓሰ ዝደሓኑ ስደተኛታት 57 ደቂንስትዮን 4 ቆልዑትን ከምዝርከብዎም ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ብዘይካ’ዚ ናይ ትሽዓተ ሰባት ሬሳ’ውን ካብ ባሕሪ ከምዘውጽአ ሓቢሩ።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢጣልያ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንዝብገሳ ጀላቡ ንምዕጋት መራኽብ ኵናታ ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ።

እታ ሃገር ንሓይሊ ባሕራ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ እናተንቀሳቐሰ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክሃድን ትፈቅድ ዘላ፣ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ካብ ጣራብሎስ ብዝሃባ ፍቓድ መሰረት’ዩ።

እንተኾነ፣ ንዝበዝሐ ክፋል ሊብያ ተቖጻጺሩ ዝርከብ፣ ኣብ ቤንቓዚ ዝመደበሩ ብጀነራል ሒፍታር ዝምራሕ ወገን፣ ኢጣልያ ንክሊ ባሕሪ ሊብያ ከይትጥሕስ ኣጠንቂቑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0