ደቡብ ሱዳን፣ መስመር ጁባ -ኒሙለ፣ ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 4 ተጓዓዝቲ ተቐቲሎም

ደቡብ ሱዳን፣ መስመር ጁባ -ኒሙለ፣ ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 4 ተጓዓዝቲ ተቐቲሎም

Radio Erena: 04 August 2017

juba

ካብ ጁባ፣ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ናብቲ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽብ ዶብ ኒሙለ እትጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብሮቡዕ 2 ነሓሰ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ተጓዓዝቲ ተቐቲሎም።

መንነት ናይቶም ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባት ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር በታ ኣውቶቡስ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ክልተ ወትሃደራት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን’ውን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ’ዮም ምንጭታት ዜና ካብ ጁባ ዝሕብሩ።

ዕሙር ናይ ንግዳዊ መስመር፣ ጁባ-ኒሙለ፣ ምስ ስርቅን ዘረፋን ብዝተሓሓዝ ተደጋጋሚ እዋን መጥቃዕቲ ክፍጸመሉ ጸኒሑ’ዩ።

 

ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት፣ በቲ ኣብዚ መስመር እዚ ዝፍጸም መጥቃዕታት ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0