ኣብ የመን ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ 12 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም

ኣብ የመን ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ 12 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 06 August 2017

yemen qaida         ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል የመን ብዘካየዶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብውሑዱ 12 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና ሳባ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

        ኣብቲ ብዓርቢ ዕለት 4 ዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣል ሳፍራ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝዓለበ ቦምባ፣ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም ትሽዓተ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣብ ሓንቲ መኪና ዝነበሩ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

 

      እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ የመን ዝነጥፍ ዘሎ ጉጅለ ኣልቃዒዳ እትገብሮ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ክትቅጽሎ ምዃና ካብ ፐንታጎን ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

         ወሃብ ቃል ፐንታጎን ካፕቴን ጀፍ ደቪስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ውሑድ ዝቑጽሩ ሰራዊት ኣመሪካ ምስቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ዘሎ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ምትሕልላፍ ስለያዊ ሓበሬታ ይነጥፍ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፣ ኣብ ልዕሊ ኣልቃዒዳ ዝግበር መጥቃዕታት ነፈርቲ ግና ብዝያዳ ክሕይል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0