መስራትን ወናኒን ቤት ማሕተም መጻሕፍቲ ኣፍሪቃ ወርልድ ፕረስን ከምኡ ድማ ረድ-ሲ ፕረስን፣ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ተዓዋቲ ሽልማት ፔን ኤርትራ ኮይኑ

Radio Erena: Thursday, 21 September 2023

መስራትን ወናኒን ቤት ማሕተም መጻሕፍቲ ኣፍሪቃ ወርልድ ፕረስን (Africa World Press)፡ ረድ-ሲ ፕረስን (The Red Sea Press) ካሳሁን ቸኮል፥ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2023 ምዃኑ እቲ ኣካል ፔን ኢንተርናሽናል ዝኾነት ትካል ኣፍሊጡ።

ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራን ኣፍሪቃን ዓብ ኣበርክቶ ዝገበረ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ብኣሽሓት ኣርእስቲታት ዝጽውዑ መጻሕፍቲ ብምሕታምን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቅዳሓት ብምዝርጋሕን፡ ስነጽሑፍ ኣብ ምድንፋዕ ዕዙዝ ተራ ብምብርካቱን ኣብ ኤርትራ ደሞክራሳዊ ስርዓት ንምትካል ዝገብሮ ዘሎ ቃልስን ነዚ ሽልማት እዚ ክርቛሕ ከምዘኽእሎ ኮሚተ ሽልማት ፔን ኤርትራ ኣብቲ ብ18 መስከረም ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ኣብ 1983 ብዝጀመሮ ናይ ሕትመት ንጥፈታት ኣቢሉ፥ ኣብ ትሕቲ ጨፍለቕቲ ስርዓታት ንዝርከቡ፥ ድምጺ ኣልቦ ኣካላት ብፍላይ ኣፍሪቃውያን ደረስቲ፣ ክስምዑ ኣኽኢሉ’ዩ።

ንሱ ብመንገዲ’ቲ ዝመስረቶ ትካል፣ ዙሓት ጸሓፍቲ ንምዃን ሕልሚ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዘነቓቐሑ፥ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣብ ምንቕቓሕ ዝርከቡ መጻሕፍትን መጽሔታትን ኣሕቲሙ።

ንታሪኽ ኣፍሪቃ፡ መበቆላዊ እምነታት፡ ስነ-ጽሑፍን፡ ብዓብዪኡ ድማ ስነጥበብን ዝድህስሱ፣ ብኣስታት 20 ቋንቋታት፤ ልዕሊ 3500 ንጽል መጻሕፍቲ ከም ዝሕተሙ ምግባሩ’ውን ሰነዳቱ የረጋግጽ።

ኣቶ ካሳሁን፤ ኣብቲ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዘሳሳዮ ንጥፈታት ሕትመት፡ ብኤርትራውያን ጸሓፍቲ፤ ከም ኣበባ ተስፋጊዮርግስ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፥ ግርማይ ነጋሽ፡ በረኸት ሃብተስላሰ፡ ቀሺ እዝራ ገበረመድህን፥ ብብዙሓት ካልኦትን ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ዘሕተመ እዩ።

ዓለም-ለኻውያን ጸሓፍቲ ከም’ኒ ተሸለምቲ ሽልማት-ኖቤል ዝዀኑ ምብራቕ ቲሞርያዊ ሆሴ ራሞስ-ሆርታን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ካህን-ደዝሞን ቱቱን፡ ውሩይ ኬንያዊ ጸሓፋይ ንጕጊ ዋ ቲዮንጎ፡ ኣመሪካውያን ሶንያ ሳንቸዝን ኖውም ቾምስኪን፡ ከምኡ’ውን ስሙይ ተመራማሪ ታሪኽ ባሲል ደይቪድሰን ዝርከብዎም ኣዝዮም ስሙያትን ተዓወትቲን ደረስቲ መጻሕፍቶም ብምሕታም ኣብ ዓለመ-ስነጽሑፍ ህያው ሓወልቲ ዘምበረ ብርቂ ናይ ስነጽሑፍ ሰብ እዩ።

ንሱ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፥ ንፖለቲካዊ ሓርነት ብትብዓት ሕቶታት ካብ ዘልዓሉ፡ ጕጅለ-13 ከተምቲ “ማኒፌስቶ-በርሊን” ብምዃን ታሪኻዊ ግደኡ ዝተጻወተ ምሁር ምዃኑ ፔን ኤርትራ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ተጠቒሱ ይርከብ።

ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ ካብ 2019 ዝጀመረ ኮይኑ፣ ኣብ ምድንፋዕ ስነጽሑፍን ምስጓም ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ልሉይ ኣበርክቶ ንዝገብሩ ውልቀሰባት፡ ጕጅለታትን ትካላትን ይዕደል።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0