ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ መጥቃዕቲ ንዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ንምምካት ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካይዱ

Radio Erena: Thursday, 21 September 2023

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ገስጋስ መጥቃዕቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ብድሆታት ገጢምዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘካይዶ ምቅይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ንምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን፣ ኣዘዝቲ ናይቲ ምስ ኣልሸባብ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ግንባራትን ዝጸለወ’ዩ።

ንሱ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓደ ዓመት ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘካይድ ዘሎ።

ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ጋልምዱግ፣ ዝርከብ ከባቢታት ኣብ ዘካየዶ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ከቢድ ጉድኣትን ስትራቴጃዊ ቦታታት ክቖጻጸር ከምዝኸኣለን’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ሽበራዊ ምዃኑ ዝግለጽ ጉጅለ፣ ዳግም ብምውዳብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ኣብ ዞባ ሒራን፣ ንሰራዊት መንግስቲ ሶማል ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ዝጓዓዝ ዝነበረ ቃልፍላይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘካይዶ ድብያ፣ ልዕሊ 120 ወትሃደራት ከምዝቐተለን ሓያሎ ከምዝማረኸን ገሊጹ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበን።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ካልኣይ መድረኽን ወሳኒን መጥቃዕቲ፣ ደጀን እቲ ጉጅለ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዞባታት ሒርሸበለን ጋልምዱግ’ዩ ኣተኵሩ ዘሎ።

ኣመሪካ’ውን ነፈርቲ ኵናትን ድሮንን ብምውፋር፣ ንሰራዊት መንግስቲ ሶማል ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0