ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዳ

Radio Erena: Thursday, 21 September 2023

ብዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ሻቕሎት እትርከብ ኢጣልያ፣ ምስተን ቀንዲ ምንጪ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን’የን ዝበለተን ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምይይጥ ኣካይዳ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢጣልያ፣ ኣንቶንዮ ታጃኒ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝጋባእ ዘሎ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሰለስተ ሃገራት ፣ ኣብ 19 መስከረም፣ ብኣካል ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ መግለጺ ቤት ጽሕፈቱ ኣነጺሩ።

እቲ ዘተ ብቀንዱ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምግትኡ ክግበር ኣብ ዝኽእል ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ምንባሩ’ዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ሊብያ ድሕሪ ዘጋጠመ ዕልቕልቅ፣ ኣብ ኣማኢት ጀላቡ ዝተጻዕኑ ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ላምፔዱሳን ኢጣልያን ከምዝኣተዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተራእየ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ዘላ ላምፔዱሳን መንግስቲ ኢጣልያ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ደገፍ ሓቲተን ኣለዋ።

ነቲ ኩነታት ብኣካል ንምክትታል ሚኒስተር ውስጣዊ ጉዳያት ናብ ኢጣልያን ላሜዱሳን ዝልኣኸት፣ ፈረንሳ ካብዞም ካብ ሊብያ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ክትቅበል ድልውቲ ከምዘይምዃና ኣነጺራ።

ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ኤውሮጳ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ግዱድ ዕስክርናን፣ ካብዘን ሃገራት ዝምንጩ ዋሕዚ ስደተኛታት ክብእስ ተኽእሎ ከምዘሎ’ዮ ዝትንተን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0