መርሃዊ ቅዱስ፣ ንዙር ፈረንሳ መዳለዊ ኣብ ዝብሃል ናይ ኣርሓታት ቅድድም Critérium du Dauphiné ክወዳደር’ዩ

Radio Erena: 11 August 2020

ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ፣ ንዙር ፈረንሳ መዳለዊ’ዩ ተባሂሉ ኣብ ዝግለጽ ውድድር Critérium du Dauphiné ክቀዳደም’ዩ።

እዚ ምስ ካዛኪስታናዊት ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ኣስታና ተጠርኒፉ፣ ካብ ረቡዕ 12 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት 16 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ፣ ቅድድም ዝወዳደር እንኮ ኤርትራዊ፣ ጽቡቕ ብቕዓት እንተደኣ ኣንጸባሪቑ፣ ካብ መወዳኣታ እዚ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ዝሰላሰል ዙር ፈረንሳ ክቀዳደም’ዩ።

ኣርሓታት ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ጥራይ ዝሳተፍዎ Critérium du Dauphiné፣ ኣብዚ ንመበል 72 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ናይዚ ዓመት ውድድር፣ ሓሙሽተ መድረኻትን 821 ኪሎሜተርን ክሽፍን’ዩ።

ኣብዚ ውድድር እዚ ዝበለጸ ብቅዓትን ቁመናን ዝወነኑ፣ ጎባልል ተቐዳደምቲ ድማ በብጋንትኦም ተሓርዮም ካብ 29 ነሓሰ ክሳብ 20 መስከረም ኣብ ዝካየድ፣ መበል 107 ዙር ፈረንሳ ደጊሞም ክራኸቡ’ዮም።

ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ መበል 102 ዙር ፡ መርሃዊ ቅዱስን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ብሓባር፡ ኣብ’ዚ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ንፈለማ እዋን ዝተቐዳደሙ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዃን ታሪኽ ከምዝሰርሑ ይዝከር።

ወዲ 26 ዓመት መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ’ዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝሰላሰል፣ ብንኡስ ዙር ፈረንሳ ዝፍለጥ ቅድድም Critérium du Dauphiné ኣንጸባራቒ ብቅዓት እንተኣርእዩ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ንኻልኣይ እዋኑ ክሳተፍ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0