ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብወለንትኦም ስልጣን ዝሓድጉ ሓለፍቲ ምብዝሖም ኣብቲ መንግስቲ እምነት ከምዘየለ ዘግህድ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 11 August 2020

ኢትዮጵያ፣ ስልጣኖም ብወለንትኦም ዝሓድጉ ሓለፍቲ እናበዝሑ ምምጽኦም፣ ሕቶታት ከምዘልዓለ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ኮሚሽነራት፣ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ክሰርሑ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ክኢላታትን ሰብ ሞያን፣ ስልጣኖም ብወለንትኦም ንምሕዳግ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ደብዳቤ ከምዘእተዉ እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

መብዛሕቶም እቶም ኣቐዲሞም ስልጣን ዝሓደጉ ይኹን፣ ስልጣን ንምሕዳግ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ዘእተዉ ሰበ ስልጣን፣ ብውልቃዊ ጉዳያት ምዃኑ’ዮም ኣመልኪቶም።

እንተኾነ፣ ተሞክሮ ብዘለዎም ሞያውያን ክበሓት ዝነበሮ ጽፍሕታት፣ ብኣባላት ናይቲ ኣብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ይትካእ ብምህላው ዘለዎም ዘይዕጋበት ንንምግላጽ ምዃኑ እታ ጋዜጣ ኣሚታ።

ኩሎም’ቶም ስልጣን ንምሕዳግ ደብዳቤ ዘእትዉ ዘለው ሰበ ስልጣን፣ ኣባላት ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቖመ ብልጽግና ሰልፊ ኣይኮኑን።

ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ኮሚሽነራትን፣ ብወለንትኦም ክእለዩ ካልኦት ድማ ብመንግስቲ ብተደጋጋሚ ክቀያየሩ ተራእቶም’ዮም።

እዚ ድማ እቲ መንግስቲ ርግኣት ከምዘይብሉ ዝእንፍት ምዃኑ ዘመልክትን፣ እቶም ብወለንቶም ዝእለዩ ዘለዉ ከኣ ኣብቲ መንግስቲ እምነት ከምዘይብሎም ዘነጽርን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የረድኡ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0