ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንጎላ ቅድሚ 17 ዓመታት ዝተሰርቀት ነፋሪት ዛጊት ደሃያ ኣይተረኽበን

Radio Erena: 12 August 2020

ነፋሪት ኣብ በረራ እንከላ ተጨውያ ክበሃል ኣብ ማዕከናት ዜና ክስማዕ ንቡር እዩ። ነፋሪት ተሰሪቓ ብድሕሪኡ ኣበይ ከምዝኣተወት ኣይተፈልጠን ክበሃል ግን ሰሚዕኩም ትፈልጡ ዶ?

ብ25 ግንቦት 2003 ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣንጎላ ‘ኳትሮ ደ ፈቭረሮ’ ተዓሺጋ ዝነበረት ቦይንግ 727 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ብዘይፍቓድ ሞተራ ተንሲኡ ናብ መሐንበቢ ጽርግያ(ራን ዋይ) ኣምሪሓ።

ኣብ መቆፋጸሪ ታወር ዝነበረ በዓል ሞያ፣ ምስ ኣብረርቲ ራድዮ ርክብ ክገብርን ብዘይፍቓድ ይበሩ ከምዘለዉ ክሕብሮምን ፈቲኑ። ኣብረርቲ ራዴኦም ዓጽዮሞ ስለ ዝነበሩ ከዘራርቦም ኣይከኣለን።

እቲ እዋን ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት እዩ ኔሩ። ኣብረርቲ፣ ነፋሪት ኣልዒሎም ንምዕራብ ናብ ኣትላቲካዊ ውቅያኖስ ገጾም ድሕሪ ምብራሮም፣17 ዓመታት ሓሊፉ ዛጊት ኣሰሮም ኣይተረኽበን። ንዕኦም ንምድላይ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ከምዝማህመነን’ውን ተገሊጹ።

ኣስታት 22 ሚልዮን ዝዋግኣ 200 ሰባት ክትጽዕን እትኽእል ነፋሪት ዋንነታ መጀመርያ ናይ ኣመሪካን ኣየርላይንስ ድሒራ ድማ ኣብ ከተማ ሚያሚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ናይ ነፈርቲ መሻጣ ኩባንያ እያ ኔራ።

እቲ ታሪክ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥ እታ ነፋሪት ኣካል መገዲ ኣየር ኣመሪካን ኮይና ናብ ሉዋንዳ ኣንጎላ ትመጽእ። ድሕሪ ዘጋጠማ ንኡስ ቴክኒካዊ ጸገም ዳግማይ ቅድሚ ምብራራ ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ን14 ኣዋርሕ ኮፍ ትብል።

ክራይ ናይቲ ኮፍ ዝበለቶ ኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር ተዋህሊሉ። መገዲ ኣየር ኣመሪካ፣ ነቲ ናይ ክራይ ዕዳ ኣብ ክንዲ ምኽፋል ነታ ነፋሪት ኣብኡ ኣየር ብኣየር ናብ ኩባንያ መሸጣ ነፈርቲ ሚያሚ ይሸጣ። እቲ ናይ መሸጣ ኩባንያ ድማ ንሓደ ፔን ፓዲላ ዝተበህለ ናይ በረራ ኢንጅኔር ከዕርያ ናብ ኣንጎላ ይልእኮ። እቲ ኢንጅኔር ድማ ሓደ ዝሕግዞ ጆን ሙታንቱ ዝተባህለ ናይ ነፈርቲ ሜካኒክ ይቖጽር።

ክልቲኦም ነታ ነፋሪክ ከዕርይዋ ድሕሪ ምቕናይ ሃንደበት ብዘይ ፍቓድ ኣበጊሶም ይወስድዋ። እንተኾነ ክልቲኦም ቦይንድ 727 ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ክመርሑ ፍቓድ ኣይነበሮምን። እታ ነፋሪት ድማ ብክልተ ዘይኮነ ብሰለስተ ፓይሎት እትምራሕ እያ ኔራ።

እታ ነፋሪት ቅድሚ ምስራቓ ኣቐዲሙ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ማንታ ህንጻ ማእከል ንግዲ ኒው ዮርክ ብዝተጨውያ ነፈርቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ ስለ ዝነበረ ንሳ’ ንተመሳሳሊ ዕላማ ከይትውዕል ተአጊኡ ኔሩ።

እንተኾነ እቲ ዝተሰግአ መጥቃዕቲ ኣይተኻየደን።ማእከላት ስለያ ኣመሪካ ሲ.ኣይ.ኤን ኤፍ.ቢ.ኣይን ‘ወን ኣብ ምድላያ ተዋፊሮም ኔሮም።

እታ ኔፋሪት ደኣ ካብ ራዳር ተኸዊላ ናበይ ኣተወት ዝብል ዛጊት መልሲ ዘይረኸበ ምስጢራዊ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ጥሒላ ከይትኸውን ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ካልኦት ድማ 4 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ክኸፍል ዘይደለየ ኩባንያ መሸጣ ነፈርቲ ሚያሚ ብምስጢር ሰሪቕዋ ዝብል ጥርጣረታት ኣለዎም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0