ሕማም ዓባይ ሰዓል ድሕሪ ኮቪድ-19 ካልኣይ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ተላባዒ ቀታሊ ሕማም’ዩ

Radio Erena: Wednesday, 08 November 2023

ኣብ 2022 ብድምር 1.3 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ዓባይ ሰዓል ሞይቶም።

ብደረጃ ዓለም፡ ዓባይ ሰዓል ድሕሪ ኮቪድ-19 (ልዕሊ ኤችኣይቪን ኤይድስን) ካልኣይ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሕማም እዩ።

ኣብ 2022 ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም 10.6 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ዓባይ ሰዓል (ቲቢ) ክልከፉ እንከለዉ፣ 5.8 ሚልዮን ደቂ ተባዕትዮ፣ 3.5 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን 1.3 ሚልዮን ህጻናትን ይርከብዎም።

ቲቢ ኣብ ኩለን ሃገራትን ኣብ ኩሉ ክልል ዕድመን ዝርከብ ሕማም ኮይኑ ብዝግበር ጥንቃቐታት ዝፍወስን ክትከላኸሎ ዝከኣልን’ዩ።

ንብዙሕ መድሃኒታት ዝጻወር ቲቢ ቅልውላው ህዝባዊ ጥዕናን ስግኣት ድሕነት ጥዕናን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዓመተ 2022፣ ካብ 5 ሰባት ኣስታት 2 ጥራይ ሕክምና ከም ዝረኸቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ንምምካት ዓባይ ሰዓል፣ ካብ ዓመተ 2000 ጀሚሩ ኣስታት 75 ሚልዮን ዝግመት ህይወት ከድሕን ከሎ ኣብ 2018 ዝተሰማምዓሉ ዓለማዊ ሸቶ ንምዕዋት፣ ዓመታዊ 13 ቢልዮን ዶላር የድሊ።

ምጥፋእ ለበዳ ሕማም ዓባይ ሰዓል ክሳብ 2030 ፣ ካብቶም ኣብ 2018 ዝተዘርዘሩ ሸቶታት ጥዕና ሕቡራት ሃገራት (SDGs) እዩ ኔሩ።

ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ካብቶም ኤችኣይቪ ዘይብሎም ሰባት ብሕማም ቲቢ ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ብ16ዕጽፊ ይዛይድ።

ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብቶም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ቀንዲ ጠንቂ ሞት እዩ።

ኣብ 2022 ጥራይ፣ ኣስታት 167 000 ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ዝተኣሳሰር ሕማም ዓባይ ሰዓል ሞይቶም።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ምስ ኤችኣይቪ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሰባት፣ ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ዝስዕብ ዝነበረ ሞት ብ83% ከምዝጎደለ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ሕማም ዓባይ ሰዓል (TB) ፣ንሳንቡእ ዘጥቅዕ ተላባዒ ሕማም ኮይኑ፡ ብሓደ ዓይነት ባክተርያ ዝመጽእ እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0