‘ኤርትራ፣ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዞባውን ኣህጉራውያን ጻዕርታት ከይምዘይትድግፍ ኣፍሊጣ’

Radio Erena: Tuesday, 11 July 2023

ኤርትራ፣ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ጻዕርታት ከምዘይትድግፍን ከምዘይትሳተፍን ኣፍሊጣ ክብል፣ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምክሪ ሱዳን፣ ማሊክ ኣጋር ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሱዳን፣ ብ09 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ ጎኢ ህዝቢ ሱዳን ደው ከምእትብል እኳ እንተረጋገጸት፣ ኣብታ ሃገር ብስም መፍትሒ ንምንዳይ ንዝካየድ ፖለቲካዊ ባዛር ግና ከምዘይትሳተፍ ምሕባራ’ዩ ጠቒሱ።

ማሊክ ኣጋር ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ዘሎ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ብ08 ሓምለ ናብ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምምይያጥ’ዩ፣ ነዚ መግለጺ ኣውጽኡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳናውያን ሰበ ስልጣን ዘካየዶ ርክብ፣ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ዝብል እምነት ከምዘለዎ መግለጺ ምክትል ጀነራል ኣልቡርሃን ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ ዝገለጸ፣ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ጉዳይ ሱዳን ብዘተ ንምፍታሕ ዝዓለመ ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ ኣብ ዝተዳለውሉ እዋን’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0