ሕ/ኢ/ዓረብ ንሱዳን ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሰሊዓ

Radio Erena: 09 December 2016

Al bash

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቁጠባ ሱዳን ንምሕዋይ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ከተቐምጥ ምዃና ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ሃልኪ ነዳዲ ሱዳን ክትሽፍንን ኣብ ምህናጽ 1000 ሜጋዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት ክትሕግዝን ተመባጺዓ ከምዘላ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሱዳን ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።

ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዎ ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ነዳዲን ኤሌክትሪሲትን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምቁራጹ፣ ናህሪ ዋጋታት ብምፍጣሩ ኣብታ ሃገር ተቃውሞታት ክካየድ’ዩ ቀንዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኤርትራ’ውን ኣብ ምስፋሕ ወደብን ኣገልግሎት ጸዓትን ክትሕግዛ ተመባጺዓ ከምዘላ ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብታ ሃገር ተገሊጹ’ዩ።

እዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኤርትራን ሱዳንን እትምጥዎ ዘላ ሓገዝ፣ ኣምሳያ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ምስ ዝምራሕ ሰራዊት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ዝገብርኦ ዘለዋ ምትሕግጋዝ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሱዳን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ዝስለፍ ኣስታት 900 ወትሃደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት ናብ የመን ከተዋፍር እንከላ፣ ኤርትራ ከኣ ኣብ ምስልጣን ወትሃደራት ናይቲ ብሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ትነጥፍ ምህላዋ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኤርትራ፣ ንሓይልታት ባሕርን ኣየርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ኣአንጊዳ ኣላ።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0