ወሰኽ ደሞዝ “ስማዊ’ዩ” ብዝብል ምዕዝምዛም ኣባላት ሰራዊት ይቕጽል

Radio Erena: 09 December 2016

Army Wage

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣተግቢረዮ ዝበሎ ወሰኽ ደሞዝ ኣባላት ሰራዊት ‘ስማዊ’ ብዝብል ምዕዝምዛማት ይቕጽል ኣሎ።

ካብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሕሰብ ወሰኽ ደሞዝ ብዝምልከት ዝህቦ መብርሂታት፣ መናውሒ ግዜን ሃልኪን ጥራይ’ዩ ክብሉ’ዮም ዝገልጽዎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት ከምዘተግበረ ድሕሪ ምግላጹ ጥራይ፣ ኣማኢት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን እናሰገሩ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታት ይቕጽሉ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

 መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ስደት ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዘየውርዶን፣ ኣብ ክንድኡ ግና ክሳብ 700 ሚእታዊት ዝግመት ወሰኽ ደሞዝ ከምዝገበረሎምን ይጉስጉስ እኳ እንተሎ፣ በንጻር እዚ ግና፣ ሰራዊት ንኣተገባብራ እቲ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ይቃወም ከምዘሎ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ግብሪ ዘይጭበጡ መብጽዓታት እናኣተወ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምብላዮም ዝኣለሞ ውዲት’ዩ ክብሉ ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ ወሰኽ ደሞዝ ብዝምልከት ዝተወከሰቶም ኣባላት ሰራዊት የረድኡ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ሚልዮናት ኤውሮ ሓገዝ ንምርካብ፣ ኣብ ግብሪ ዘይሰርሓሉ ፕሮጀክታትን ወሰኽ ደሞዝን ዝብሉ መደባት ደጋጊሙ ይጉስጉሰሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ደሞዝ ኣባላት ሰራዊት ክሳብ 1800 ናቕፋ ክብ ከምዘበሎ እኳ እንተሓበሮም፣ ኣብ ኢዶም ዝበጽሕ ገንዘብ ግና ካብ 300 ናቕፋ ዘይበዝሕ ምዃኑ’ዮም ዝሕብሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዝሕሰብ ንመብዛሕትኦም ኣባላት ሰራዊት ዘጠቓለለ ናይ 1800 ናቕፍ ወሰኽ ደሞዝ ከምዝገበረሎም ብምግላጽ፣ ናይ ስድራ ቤት፣ ቅሙጥ ትሕጃ ሕሳብ፣ መስርሒ መንበሪ ኣባይቲ፣ ግብሪ፣ ደበስ ስውኣት፣ መማቕርትን ናይ ህግደፍ ወርሓዊ ክፍሊትን ዝብሉ ተቖራጺ ሕሳባት ከምዘለዎም’ዩ ዘርዚርሎም።

ተቖራጺ ሕሳብ ጎዲሉ ኣብ ኢዶም ዝበጽሕ ጽሩይ ደሞዝ 300 ናቕፋ ጥራይ ምዃኑ ዘሻቐሎም ኣባላት ሰራዊት፣ ኣብ ኣኼባታት ተደጋጋሚ ሕቶታት የቕርቡ ምህላዎም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ናይ ናብራ ክብሪ፣ ኣብ ኣሰራርሓ’ቲ መንግስቲ ‘ውን እምነት ስለዘይብሎም ምዃኑ የረድኡ።

ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፣ 32 ሚእታዊት ናይቲ ዝውሰኽ ደሞዝ፣ ተቖራጺ ንስድራቤታት ኮይኑ፣ ስድራቤታት ዘይብሎም ከኣ ኣብ ባንክ ተቐማጢ ክኾነሎም’ዩ እቲ መንግስቲ ወሲኑ ዘሎ።

16 ሚእታዊት ናይቲ ዝውሰኽ ደሞዝ ከኣ ንመስርሒ መንበሪ ኣባይቲ ምዃኑ’ዩ ዝንገሮም ዘሎ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ንተጋደልቲ ክሰርሓሎም ዝተመባጽዖ መንበሪ ኣባይቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 20 ዓመታት ሓሊፉ፣ እቲ መብጽዓ ከምዘይተተግበረ ብምዝኽኻር’ዮም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንኣተገባብራ ወሰኽ ደሞዝ ዝቃወሙ ዘለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ንሓለፍቲን ሰብ ፍሉይ ረብሓን እንተዘይኮይኑ፣ ንዝበዝሑ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይ ሑጻን ካልእ ከተማታትን ክሰርሓሎም ዝተኣተዎ መብጽዓ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘየተግበረ ይፍለጥ።

በንጻር’ዚ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ጥራይ ንዝኸፍሉ ኣብ ወጺኢ ንዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብዶላርን ኤውሮን መሬት ክሸጠሎምን፣ ቅድሚ ናይዞም ተጋደልቲ ንኽሃንጸሎም ይጓየን ምህላዉ’ዩ ዝንገር።

ሓያሎ ገዳይም ተጋደልቲ፣ መንግስቲ ንዝኣተወሎም መብጽዓታት ብምጥላሙ ጥራይ ዘይኮነ፣ ገዛውቲ መንግስቲ ንምውራስ’ውን ብሰበይ ሰብካን ምስ ሓለፍቲ ብዘለካ ቅርበትን ጥራይ ይስርሓሉ ምህላዉ’ዮም ዘማርሩ።

ብዘይካዚ’ውን ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ማይተመናይ ከባቢ እንዳ ኮካ ክህነጸሎም ምዃኑ ተመባጺዑ እምነ-መሰረት ዘንበረሉ ህንጻ፣ ነቶም ንሓያሎ ዓመታት ሃረር ዝበሉ ስንኩላን ዛጊት ከምዘይተዋህበ’ውን ይፍለጥ።
=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0