መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ጉዳይ የመን ዘትዮም

Radio Erena: 09 December 2016

GCC

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ጉዳይ የመን፣ ሶርያ፣ ኢራንን ካልእ ዞባዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ባሕሬን ኣካይደን።

ኣብቲ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ማናማ ዝተኻየደ መበል 37 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረሳ መይ’ውን ከም ፍልይቲ ዕድምቲ ተሳቲፋ።

ኣብቲ መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ባሕሬን፣ ቀጠር፣ ኩዌት፣ ዖማንን ዒራቕን፣ ከምኡ ድማ ብሪጣንያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፣ ኣብ ጉዳይ የመን ንውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ከምዝድግፉ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ጸጥታ እቲ ዞባ ብሓባር ክሰርሑ ደጊሞም ተሰማሚዖም።

ጋዜጠኛታት ማዕከናት ዜና ዓለም ነቲ ኣብ ከተማ ማናማ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብሪጣንያን ከየቃልሕኦ ጽኑዕ ሓለዋ’ዩ ተኻይድሉ።

70 ሚእታዊት ካብ ዜጋታታ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ባሕሬን ካብ እምነት ሱና ብዝኾኑ ንጉሳውያን ቤተሰብ’ያ ትመሓደር።

ኣብታ ሃገር ኣብ 2011 ኣብ ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ፣ በታ ብኣመንቲ ሺዓ ዝተዓብለለት ኢራን ዝተወደበ’ዩ ክትብል’ያ ገሊጻቶ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0