ሳልሳይ ግንባር ታማዙጅ ሱዳን፤ ደገፉ ንምልሻ ፈጣን ሓይልታት ከምዝህብ ብወግዒ ኣፍሊጡ

Radio Erena: Sunday, 20 August 2023
ሳልሳይ ግንባር ታማዙጅ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ሱዳን፤ ደገፉ ንምልሻ ፈጣን ሓይልታት፤ ከምዝህብ ብወግዒ ገሊጹ።
ታማዙጅ፤ ሓደ ካብ’ቶም ስምምዕ ሰላም ጁባ 2020 ዝፈረሙ ውድባት እኳ እንተኾነ፤ኣብዚ ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት፤ ብወግዒ ጸግዒ ከይሓዘ እዩ ጸኒሑ።
መራሒ’ቲ ጉጅለ መሓመድ ዓሊ ቁረሺ ብ17 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት፤ ተረፍ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ኣልበሽር’ዩ ድሕሪ ምባሉ፤ ንምድምሳሱ ብዘለና ዓቕሚ ኩሉ ክንዋጋእ ኢና ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ፤ ኣብ ዶባት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ዝርከብ ሰራዊቱ፤ ናብ መዓስከራት ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ኲናት ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ቀቅድሚ ምጅማሩ፤ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፤’ሳልሳይ ግንባር ታማዙጅ፤ ኣብ ሱዳን ዓሌታዊ ግጭት ክለዓል ይንቀሳቐስ ኣሎ’ ክብል ተደጋጋሚ ክስታት የቕርበሉ ኔሩ’ዩ።
እንተኾነ፤ እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ምጅማሩ ሓያሎ ወተሃደራት ታማዙጅ፤ ናብ ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ተጸምቢሮም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0