ሕብረት ኤውሮጳ፣ መራኽብ ንግዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው፣ ወትሃደራዊ ተልእኾ ኣበጊሱ

RADIO ERENA:- Thursday, 22 February 2024

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣጋጢሙ ብዘሎ ስግኣት ጸጥታ፣ መራኽብ ንግዲ ንምሕላው፣ ወትሃደራዊ ተልእኾ ከምዘበግሰ ኣፍሊጡ።

እቲ ‘ኣስፒደስ’ ተሰምዩ ዘሎ ወትሃደራዊ ተልእኾ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓያሎ ሃገራት ናይቲ ሕብረት ንዘዋፍርአን ጭፍራ መራኽብ ኵናት ክመርሕ’ዩ።

ዛጊት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያን ቤልጁምን፣ መራኽበን ናብቲ ወትሃደራዊ ተልእኾ ክጽንብራ ምዃነን ኣረጋጊጸን።

ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከዋፍርን ንዘሕለፎ ውሳኔ ብሓጎስ ዝተቐበለቶ ፕረዚደንት ናይቲ ሕብረት፣ ኡርሱላን ቫን ደር ለየን፣ እቲ ተልእኾ፣ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምዃን ምንቅስቃስ መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከውሕስ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

እቲ ተልእኾ፣ ክንዮ’ቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ስግኣት ዝኸይድ፣ ድልዱል ህላዌ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ባሕሪ ከረጋግጽ ዘለዋ ተስፋ ‘ውን ጠቒሳ።

ይኹን’ምበር ወፍሪ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ዝተዋህቦ ተልእኾ ወጻኢ ከምዘይከይድ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናይቲ ሕብረት ገሊጹ።

እቲ ወትሃደራዊ ተልእኾ፣ ኣብ ግሪኽ፣ ከተማ ላሪሳ ብዝመደበሩ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክእዘዝ’ዩ።

ኣቐዲሙ ብኣመሪካን ብሪጣንያን ዝተመርሐ፣ ‘ስርሒት ሓለዋ ብልጽግና’ ዝተሰምየ ተልእኾ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ እኳ እንተተበገሰ፣ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምጽንባሩ ተገዳስነት ኣየርኣያን።

ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣስታት 12% ንግዳዊ ልውውጥ ዓለምና ዝመላለሰሉን፣ 30% ናይ ኮንተርነራት ካርጎ ድማ ካብን ናብን ዝሓልፈሉን፣ ኣገዳሲ ክሊ ማይ’ዩ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ዝጽውዕ ሑቲ ናይ የመን ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ብዘካይዶ ዘሎ ምንውጫፍ ሚሳይላትን ናይ ድሮን ደብዳባትን፣ ውሕስነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0