ፖርት ሱዳን፣ ደቂንስትዮ ወትሃደራዊ ታዕሊም ይወስዳ ምህላወን ተገሊጹ

RADIO ERENA:- Thursday, 22 February 2024

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ፈጣን ሓይልታትን ዝተወልዐ ግጭት ዓመት ክመልእ ኣብ ዝተቓረበሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ንደቂንስትዮ ወትሃደራዊ ታዕሊም ይወሃብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መደበር ተሌቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ብወለንትአን ዝተኣኻኸባ 10ታት ደቂንስትዮ፣ ኣብ ቀጽሪ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል፣ ብሰራዊት መንግስቲ ዝወሃብ መሰረታዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ይወስዳ ኣለዋ።

እተን ደቂንስትዮ፣ መቕርበን ንዝተጸንበርዎ ሰራዊት መንግስቲ ንምድጋፍን ሞራል ንምሃብን ናብቲ ታዕሊም ብወለንትአን ከምዝመጻ’የን ገሊጸን።

ዕላማ’ቲ ምፍትሓን ምግጣምን ካላሽን፣ ጨመተ ቶዅሲን ሰልፊን ዘጠቓለለ መባእታዊ ወትሃደራዊ ስልጠና፣ እተን ደቂንስትዮ ክገትጥመን ንዝኽእል ተጻብኦታት ባዕላተን ንምምካት ክሕገዘን ተባሂሉ ይወሃብ ምህላዉ፣ ሓደ ካብቶም ዓለምቲ ነታ መደበር ቴሌቪዥን ሓቢሩ።

ብኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣብቲ ንሱ ዝቖጻጸሮ ከባቢታት፣ ህዝቢ መሰረታዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወስድን ጠበናጁ ክዓጥቕን ይገብር ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ግጭት ሱዳን፣ ኣብ 11 ወርሑ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ፣ ኣሰንኩሉን ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉን ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0