ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልክተ ምስ ጂቡቲ ተመያይጡ

RADIO ERENA – Wednesday, 20 March 2024

እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዛዕባ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ጸጥታን ውሕስነ ናይ ንግዲ መራኽብ ዝረጋገጸሉን ስትራቴጂ ብዝምልክተ ምስ ሰብ ስልጣን ጂቡቲ መኺሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምምይጥ፣ ‘ኣስፒደስ’ ተሰምዩ ዘሎ ወትሃደራዊ ተልእኾ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ንኽመርሕ ዝተመዘዘ ኮማደርን ላዕለዎት ወትሃድራውያን ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪን ናይቲ ሕብረት ተሳቲፎም።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍን ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ጂቡቲን ምስቲ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾኑ ፖለቲከኛታት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ውን ዘተቓለለ ወትሃደራዊ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት በብወገኖም ከምዝዘተዩ ዩ ተመልኪቱ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣጋጢሙ ብዘሎ ስግኣት ጸጥታ፣ መራኽብ ንግዲ ንምሕላው፣ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ወትሃደራዊ ተልእኾ ከምዘበግሰ ይዝከር።

እቲ ‘ኣስፒደስ’ ተሰምዩ ዘሎ ወትሃደራዊ ተልእኾ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓያሎ ሃገራት ናይቲ ሕብረት ንዘዋፍርአን ጭፍራ መራኽብ ኵናት ክመርሕ’ዩ።

ዛጊት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያን ቤልጁምን፣ መራኽበን ናብቲ ወትሃደራዊ ተልእኾ ክጽንብራ ምዃነን ኣረጋጊጸን።

እቲ ወትሃደራዊ ተልእኾ፣ ኣብ ግሪኽ፣ ከተማ ላሪሳ ብዝመደበሩ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክእዘዝ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንጂቡቲ ድማ ከም ሓንቲ ካብ ቀንዲ መሻርሕቲ ኣብቲ ወፍሪ ሰሪዑ ሓያሎ ስምምዓት ከከያድ ወጢኑ ኣሎ።

ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣስታት 12% ንግዳዊ ልውውጥ ዓለምና ዝመላለሰሉን፣ 30% ናይ ኮንተርነራት ካርጎ ድማ ካብን ናብን ዝሓልፈሉን፣ ኣገዳሲ ክሊ ማይ’ዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፣ ሑቲ ናይ የመን ብዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታትን ኣብ ክሊ ማይ ሶማል፣ ዳግም ብዝስዕርር ዘሎ ቀርሰናን፣ ቀይሕ ባሕሪ ውሕስነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0