ሱዳን፤ ምትእትታው ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር ንምእላይ ጻዕርታት ተካይድ

Radio Erena: Wednesday, 08 November 2023

ኪየቭ ፖስት ዝተባህለት ናይ ዩክሬይን ማዕከን ዜና ኣብ ዓምዳ ከም ዘስፈረቶ ፍሉያት ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ሱዳን ንዋግነር ግሩፕ ናይ ሩስያ እናሃደኑ ዘርኢ ክልተ ተንቀሳቐስቲ ስእልታት ከም ዝተረኽበ ሓቢራ።

ብመሰረት ምንጪ ሓደ ኣባል ጸጥታን ምክልኻልን ዩክሬን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዩክረይን ንጉጅለ ዋግነር ናይ ሩስያ ካብ ሱዳን ንምጽራይ ስርሒታት ተካይድ ኣላ ክትብል ውን ጠቒሳ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ንኪየቭ ፖስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ “እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ምናልባት ስርሒት ፍሉያት ኣሃዱታት ስለያ ዩክሬን (HUR) ዘርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ።” ብምባል ንጸጥታዊ ኩነታት ግን ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይደለየን።

መራሒ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን፤ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ፣ ቅድሚ ወርሒ ርክብ ኣካዪዱ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፤ ናብ ካናዳ ኣብ ዝጎዓዘሉ ዝነበረ እዋን፤ ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ዕረፍቲ’ዩ እቲ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ብቀዳም 23 መስከረም ዝተኻየደ ርክብ፤ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢኦም፤ ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር ከምዝተመያየጡ፤ ዝፍለጥዩ።

ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር፣ ምስ ሱዳን ዝተፈላለየ ንግዳውን ወተሃደራውን ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ክኽሰስ እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝኾነ ይኹን ኢድ ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ኣብ 2017 ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ምስ ሩስያ ተኸታታሊ ስምምዓት ፈሪሙ ኔሩ።

እዚ ድማ ሩስያ ኣብ ፖርት ሱዳን ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትተክልን ኣብ መንጎ ሩስያዊ ኩባንያ ኤም ኢንቨስትን ሚኒስትሪ ማዕድን ሱዳንን ኣብ ዕደና ወርቂ ዘተኮረ ስምምዓትን ዘጠቓልሉ እዮም።

ቤት ጽሕፈት ካዝና ኣመሪካ ኣብቲ ሽዑ እዋን፣ ኩባንያ ኤም ኢንቨስትን ናይ ትሕተ ቅርጺ ጉጅለ ሜሮ ጎልድን፣ ኣብ ሱዳን፣ናይ ጉጅለ ዋግነር ግንባራት ምዃኖም ከሲሱ ኔሩ እዩ።

ብመሰረት ብሲኤንኤን ዝተገብረ መርመራ ውን፣ ኣብ ሰደድ ዘይተመዝገበ ወርቂ ናብታ ዋግነር ከም ዝሰርሓላ ዝፍለጥ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከም ዝተሰጋገረ ተሓቢሩ ኔሩ።

ካብ 2017 ጀሚሩ ምንጭታት ሩስያን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ሩስያውያን ጉጅለ ዋግነር ከምዘለዉ ዘርእዩ ምስልታት ይዝርግሑ ነይሮም።

ኣብ 2021 ውን፣ ምስ ዋግነር ዝተኣሳሰር ናይ ቴሌግራም መራኸቢ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዋግነር ንወተሃደራት ሱዳን መዘከርታ ክሽልም ዘርኢ ምስልታት ኣውጺኡ ነይሩ።

ኣብ ሓምለ 2022 ድማ ብተመሳሳሊ ንሱዳናውያን ወተሃደራት ናይ ፓራሹት ምዕላብ ልምምድ ከካይዱ ከለዉ ዘርኢ ቪዲዮ ዘርጊሓ ነይራ።

ጉጅለ ዋግነር ኣብቲ መጀመርታ ፕረዚደንት በሽር ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ንምሕጋዝ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሚድያ ጎስጓሳት የካይድን ሰልፈኛታት ጸረ እስልምና እዮም ተባሂሎም ክኽሰሱ ይጽውዕ ከም ዝነበረን ሱዳናውያን ምሁራት ይኸሱ።

ደራሲ መጽሓፍ ንጥፈታት ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዶክተር ሳሙኤል ራማኒ፣ ዋግነር ኣብቲ መጀመርታ ንምምጻእ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ስልጣን ክድግፍ እንከሎ ድሒሩ ግን ካብ 2021 ክሳብ 2022 ጀሚሩ ብዝያዳ ካብ ዕደናታት ወርቂ ንምኽሳብ ዝምድንኡ ምስ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ከም ዘደልደለ ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ የካቲት 2022፣ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ኣካይዱ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ጉጅለ ዋግነር ኣብ ሱዳን ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒታት፣ ምዕቃብ ምልካዊ ስርዓትን ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ኣመልኪቶም ብዝተፈላለዩ ወገናት ይኽሰስ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0