ሓድ-ሓደ ከባቢታት ኣስመራ ፍታሕ ዝስተ ማይ ረኺቡ

ኣብ ኣስመራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ፍታሕ ከምዝተረኽቦ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።
    እቲ ብመስመራት ሻምብቖ ነናብ ገዛ ዝኣቱ ዝነበረ ማይ፣ ካብ ዘቛርጽ ኣዋርሕ ድሕሪ ምቝጽሩ፣ ዝስተ ማይ ብቦጣት ንምብጻሕ ዝተኻየደ ፈተነታት’ውን ህዝቢ ከከላብት’ዩ ጸኒሑ።
    እቲ ኣውራ ብማይ ተጸጊሙ ዝጸንሐ ከባቢታት ኣስመራ ብፍላይ ከባቢ መደሽቶ ኣኽርያ፣ ገዛ ከኒሻ፣ ገለ ክፋል ማይ ጭሆት፣ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ንመጀርያ እዋኑ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብሻምብቖታት ማይ ክረክብ ምኽኣሉ’ውን ተፈሊጡ።

    ኣብዚ ከባቢታት ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ፣ ከም ፍታሕ ተባሂሉ ንሓንቲ ፊስቶ ማይ ኣብ ሰሙን ብ20 ናቕፋ ብቦጣት ክበጽሖ ከምዝጸንሐ፣ እንተኾነ ነታ ሓንቲ ፊስቶ ማይ ንምርካብ ህዝቢ ኣብ መሳርዕ ክሓድር ይግደድ ምንባሩ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።
    ሳላ ዝነበረ ጥሉል ክራማት፣ ሓጽብታትን ዲጋታትን እኹል ማይ ከዕቝራ እኳ እንተኸኣላ፣ ጠንቂ’ዚ ንህዝቢ ኣዋጢሩ ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ ሓንሳእ ምብልሻው ሻምቦቕታት ሓንሳእ ድማ ማይ ዝጭንጕዓ ጀነሬተራት ብዘጋጥመን ዘሎ ተደጋጋሚ ምብልሻውን ስእነት ነዳዲን’ዩ እናተባህለ ክውረ ጸኒሑ’ዩ።
    እዚ ሕጂ ብመስመራት ሻምብቖ ጀሚሩ ዘሎ ማይ ንህዝቢ እቲ ተጸጊሙ ዝጸንሐ ከባቢታት ተዛማዲ ሩፍታ ሂብዎ እኳ እንተሎ፣  ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ዝነበሮ ጸገም ከይምለስ ግና ከቢድ ሻቕሎት ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይሕብሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0