‘ኤርትራ ንተበግሶ ሰላም ቀ.ኣፍሪቃ ክድግፍ ኣለዋ’፣ ኬንያ

‘ኤርትራ ንተበግሶ ሰላም ቀ.ኣፍሪቃ ክድግፍ ኣለዋ’፣ ኬንያ

  መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ዳግም ቅድሚ ምጽንባሩ፣ ንተበግሶ ሰላም እቲ ዞባ ክድግፍ  መንግስቲ ኬንያ ጸዊዑ።
    መንግስቲ ኬንያ ነዚ ዝጸውዐ፣ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ በየነ ርእሶም ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተላእከ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ምዋይ ኪባኪ ኣብ ዘብጽሓሉ እዋን’ዩ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ናብ ፕረዚደንት ኬንያ ዝልኣኾ ደብዳበ፣ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ብወግዒ ንኽትምለስ ደገፍ ኬንያ ንምሕታት’ዩ።
እንተኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ምዋይ ኪባኪ፣ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ክትምለስ ዘለዋ ድሌት ዝቕበሎ እኳ እንትኾነ፣ ቅድም ቀዳድም ግና ንተበግሶ ሰላም እቲ ዞባ ዘለዋ ደገፍ ከተርኢ ጸዊዑ።
    መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ረብሓ የብሉን ኢሉ ብምንሻው ዝጠንጠኖ ዞባዊ ውድባት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ኮሜሳን ንምምላስ ብስቱር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ ውጽኢት ናይቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ብፍላይ ድማ ባይቶ ጸጥታ ዝገብረሉ ዘሎ ጸቕጢ ምዃኑ ተንተንቲ ይሰማምዑ።
    ብፍላይ ኬንያን ኡጋንዳን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ጣልቓ እናኣተወ ንሰላም እዚ ዞባ ይዘርግ ኣሎ ዝብል ደምዳሚ መረዳእታ ከምዘለወን ዝፍለጥ’ዩ።
    ኬንያ፣ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኤርትራ ጸቕጢ ብምግባር ምስ ዕጡቓት ሶማል ርክብ ኣለዎም ንዝበለቶም ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከምዘባረረት ኣይርሳዕን።
    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዜጋታት እዚ ዞባ ብናጻ ንምንቕስቓስ ብኬንያን ኡጋንዳን ዝተወስደ ብዘይ ቪዛ ናይ ምንቕስቓስ መስርሕ፣ መንግስቲ ኬንያ ናብ ሃገሩ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን መእተዊ ቪዛ ንኽጥቐሙ ክውስን ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
    ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ከምዝተገልጸ፣ ኬንያን ኡጋንዳን ናብ ሃገርን ንዝገሹ ኤርትራውያን ብዙሕ መሰናኽልን ዕንቕፋታትን ክገብራ ጸኒሐን’የን።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፣ ኣብቲ ምስ ፕረዜንት ኬንያ ዘካየዶ ርክብ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ብምልዓል፣ ኬንያ ከም ቀደማ ንኤርትራውያ ማዕረ’ቶም ካልኦት ዜጋታት እዚ ዞባ ብዘይ መእተዊ ቪዛ ማለት ኤትሪ ቪዛ ክትቕበል ከምዝሓተተ’ውን  ኬቢኤስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
    እንተኾነ ፕረዚደንት ኪባኪ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ነቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ተወሲኑ ዘሎ ናይ መእተዊ ቪዛ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተታሒዙ ምህላዉ ብምሕባር፣ ንጻውዒት ኣምባሳደር በየነ ርእሶም ኣይተቐበሎን።
ኡጋንዳ’ውን ኣሰር ኬንያ ብምስዓብ ንኤርትራውያን መእተዊ ቪዛ ክትሓትት ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።
    መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ዘራጊ ሰላም ተጠሚቱ ብኹለን ሃገራት እዚ ዞባ ተነጺሉ ምስ ምህላዉ፣ እዘን ሃገራት ንንግድን ካልእ ጉዳያትን ንምትብባዕ ኢለን ዘተኣታትውኦ ናይ ናጻ ንምንቕስቓስ ንዜጋታት ኤርትራ ብኣሉታ ይጸልዎም ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0