ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ግራት ብውሕዱ 14 እሱራት ሞይቶም

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዓዲ ግራት ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍራሱ ብውሕዱ 14 እሱራት ከምዝሞቱን 35 ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከምዘለዉን ዘ ሪፖርተር ኣረጋጊጹ።

    ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፣ ልዕሊ 1300 ዝኾኑ እሱራት ከምዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ምንጪ፣ ጠንቂ ምፍራስ እቲ ህንጻ ዛጊት ከምዘይተጻረየ ኣመልኪቱ።
እንተኾነ መርበባት ሓበሬታ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዝርግሕኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ጠንቒ ምፍራስ እቲ ቤት ማእሰርቲ፣ እሱራት ናጻ ንምውጻእ ዝተወጠነ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ምዃኑ’የን ዝገልጻ።
    ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዋ ዘ ሪፖርትር፣ ጠንቒ ምፍራስ እቲ 14 እሱራት ዝቐተለን 35 ድማ ብኸቢድ ዘቝሰለን ቤት ማእሰርቲ ንምርግጋጽ፣ ንሓላፊ ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ትግራይ ይኹን ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ግራት ንምዝርራብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ክሰልጣ ከምዘይክኣለ ኣረዲኣ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0