ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕ.ሃ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝተዓቕብሉ መዓስከር በጺሑ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕ.ሃ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝተዓቕብሉ መዓስከር በጺሑ

Radio Erena: 09 February 2016

Flippo

ሓድሽ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦምሉ ናብ ዝርከብ መዓስከር በጺሑ።

እቲ ኮሚሽነር፣ ኣብቲ ሓደ ካብቲ ኤርትራውያን ተዓቕቦምሉ ዝርከብ መዓስከር ሕጻጽ ብ01ለካቲት 2016 ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ኤርትራውያን ብምርኻብ ቀጥታው ዝርርብ ከምዘካየደ’ውን መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ኣብቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝገበርዎ ርክብ፣ “ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ UNHCR ናብ ሳልሳይ ሃገራት ናይ ምጥያስ ቅልጡፍ መስርሕ እንተዘተኣታቱ፣ ግዳያት መሸጣ ደቂ ሰብን ባሕርን ኣይምኾናን፣” ክብሉ ገሊጾምሉ።

 

ኾሚሽነር ግራንዲ ብወገኑ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ገጢምዎም ዘሎ መከራ ካብቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዝረአ ዘሎ ግጭትን ምክልባትን ዝሃደሙ ስደተኛታት ዝፍለ ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር፣ ኣብ መኦኣስከራት ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ንምቕላጣፍ UNHCR ዝከኣሎ ክጽዕር ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ተመሪጹ ኣብ 1 ጥሪ 2016 ዝልዓለ ጽፍሒ ዝተረከበ ኢጣልያዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ፍሊፖ ግራንዲ ፣ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ካብ ዝኸውን ወርሒ ከይመልአ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ናብ ዝርከብ መዓስከር ምምርሑ፣ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ሓደ ካብ ዓበይቲ ግሎባዊ ኣጀንዳታት ኮይኑ ከምዘሎ ዘነጽር’ዩ ክብሉ ሓያሎ ወገናት ይገልጽዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልልላት ትግራይን ዓፈርን ኣብ ዝርከብ ሓመሽተ መዓስከራት፣ ኣስታት 150 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦም ከምዘለው ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

መብዛሕቶም እቶም ኣብ ክልል ትግራይ መዓስከር ሽመልባ ዝነበሩ ናብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ናይ ምጥያስ ዕድል ክረኽቡ እንከለዉ፣ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሩሽን ሕጻጽን ናይ ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት መስርሕ ምጥያስ ግና ንሓያሎ ዓመታት ተደናጕዩ ይርከብ።

ብሰንኩ ድማ፣ ዝበዝሑ ካብቶም በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣስታት 150 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታ፣ ነቲ መዓስከራት ብምርሕራሕ ብመንገዲ ሱዳን፣ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ከቢድ መከራ ይሓልፉ ክሓልፉ ይግደዱ ኣለዉ።

 

ስእሊ፣- UNHCR

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0