ዓም ዓብደሪሒም ዝርኣየ?

ዓም ዓብደሪሒም ዝርኣየ?

Radio Erena: 08 February 2016

C1

     ሰምሃር ናይ ዝበልዓቶ መግቢ ትርፍራፍ ካብ ኣስናና ጠቕሊሉ ኣይተኣልየን። ፍሽኽትኣ ግና ኣየጽልእን። ሓውሲ ማዳ ዝወረሮ እንተዘይኮይኑ ዘኽፍእ መልክዕ ገጽ’ውን የብላን።

ብቴንዳ ኣብ ዝቖመት ንእሽቶ ክፍሊ ኣብ ዝተነጽፈ ድርብራብ ኮቦርታ ኣብራኻ ዓጺፋ’ያ። ደርፊ ሱዳን ካብ ሞባይላ ተወሊዑ’ዩ። ምናልባት ዝልዓለ ድማጺ ናይታ ሞባይል’ዩ ዝኸውን። ናብታ ደርፊ ዘድሃበት’ያ ትመልስ። ከናፍራ ምስ ደርፊ ሱዳን ይወርድን ይድይብን። የዒንታ ግና ተኺሉ ናባና የቋምት። ብክራማት ኣብ ዝጨቀወ መሬት፣ ፍሳሳት ተመሊእዎ ጣሻታት ካሌ ብቐሊሉ ክትሓልፎ እስቲባሎኒ ዝዓይነቱ ጫማ የድሊ።

 ካብ ዝወርድ ቀዝሒ ሙቀታ ንምዕቃብ፣ ዝደረበቶ ክዳውንቲ ድርዕቶ ኣምሲሉዋ’ዩ -ንሰምሃር። ትርኢታ እንታይ ይመስል ምህላዉ ግን ኣይገደሳን።

     “ሰላም! ሓበሻ ዲኺ?”

 

     ሓበሻ ኢና ኣይኮናን ዝብል ኣርእስታት ናብ ጎነጽ ዘምርሓሉ ብዙሕ እዋናት ገጢሙኒ’ዩ። ሕቶይ መንነት ንምጽራይ ኣይነበረን። ካብ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ዲኺ? ንምባል ዘንቀደ ገርሂ ሕቶ’ዩ።

     “እወ ኤርትራዊት’የ፣’ ንገርሂ ሕቶ ገርሂ መልሲ።

     “ኣብዚ፣ ኣብ ካሌ ናይ ሓበሻ ቤት መግቢ ኣሎ ኢሎሙና’ሞ ገለ ትፈልጥዮ እንተኾንኪ፣”

     “ናይ ሓበሻ ቤት መግቢ ደኣ መሊኡ፣ መሓዛይ ኣላ ክወስደኩም፣”

     ሓድሕዱ በግማድ ዝተኣሳሰረ ቴንዳታት እናሰገርና፣ ስጉምታት ተጓዓዝና። ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ዓመት ንራብዓይ ግዜይ’ዩ። ጣሻታት ካሌ ኣብ ጸጽባሕ ብዝውሰኾ ሓደስቲ ቴንዳታት፣ ናብ ሰፊሕ መዓስከር’ዩ ተቐይሩ። ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ መዓስከር። ሓያሎ ካብቶም ዘዕለልክዎም ኤርትራውያን፣ ንካሌ ምስ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ናይ ኢትዮጵያ፣ ገሊኦም ከኣ ምስ ሸገረብ ናይ ሱዳን’ዮም ዘመሳስልዎ። ገሊኦም’ውን ካሌ ካብዚ መዓስከራት እዚ ከምዝብእስ ብስምዒት ይጸውዩ። ቀዝሒ ተደሚርዎ፣ ምምራሮም እንተዛየደ ዝተሓዞም ኣይኮነን።

     ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመላለስዋ ቤት ክርስትያን ተዋህዶ ኣላ። ‘የ ጃንግሉ ቅዱስ ሚኪኤል’ ዝብል ታቤላ በምሓርኛ ይንበባ። ንቤት መቕደስ ዝበቕዕ ኣቑሑ ኣለዋ። 50 ምእመን ክእክብ ኣብ ዝኽእል ናይ ቴንዳ ኣዳራሽ፣ ምስሊ መላእኽቲ ተለጣጢፍዎ ይርአ። ናይ ጣሻ ቅዱስ ሚኪኤል ዝተባህለሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣግራብን ስደተኛታትን ዝዓመርሉ ሓደ ውሱን ክፋል ከተማ ካሌ’ዩ። ኣመንቲ ዝተፈላለዩ እምነታት መሳጊድን ካልእ ኣብያተ ቤት ጸሎት ኣቝሞም’ዮም። ኣብያተ ሻሂ፣ ቤት መግቢ፣ ዱኳናትን እንዳ ቀምቃማይን ንካሌ ዕምርቲ ናይ ኣፍሪቃ ቁሸት ኣምሲሉዋ’ዩ።

     ብገበርቲ ሰናይ ኣብ ዝተተኽለ ጄነሬተር ሞባል ቻርጅ ንምግባር ሪጋ’ዩ። ማይ ብሻምብቖታት ከም ድላይካ’ዩ። ፈረንሳ ብብዝሒ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ኤውሮዓ መወዳድርቲ የብላን።

     ስደተኛታት ማይ ክቐድሑን ክኽዕዉን’ዮም ዝውዕሉ። ዝተሰጥሐ ኮስትሞን ረጂታትን ኣዲኡ ትቑጸሮ። ስደተኛታት ‘ካሌስ’ዮም ዝብልዋ። ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ፣ መብዛሕትኡ እዋን፣ ብናይ ላቲን ፊደል ‘ኤስ’ ዝውድኡ ቃላት ኣይድመጹ’ዮም። ብዙሓት ነበርቲ ከተማ ካሌ ሕሉፋት የማናውያን’ዮም። ካብ ሕሉፍ የመናዊ ሰልፊ ከኣ’ዮም ከንቲባ መሪጾም። ምስ ስደተኛታት ዘለዎም ጽልኢ ግሁድ’ዩ። ባርኾት ህዝባዊ መንግስቲ ፈረንሳ ክሳብ ዘይረኸቡ ግና ስጉምቲ ክወስዱ ኣይደፈሩን።

     ፈረንሳ ብታሪኽ ሃብታም’ያ። ሰብ ካሌ ግና ብከተማኦም  ዝሕበንሉ ብዙሕ ታሪኽ የብሎምን። እንኮ ዝሕበሉና ታሪኽ፣ በዓልቲ’ቤት ናይቲ ኣብ ፈረንሳ ግዙፍ ቦታ ሒዙ ዝርከብ ጀነራል ቻርለስ ዲ ጎል፣ ጓል ከተምኦም ምዃና’ዩ። መርኣያ ሓበኖም ከኣ፣ ሓወልቲ ቻርለስ ዲ ጎል ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እታ ከተማ ኣቝሞም ይርከቡ። ምስልታት ቻርለስ ዲ ጎል ኣብ ዝኣተኻዮ ከተማ ፈረንሳ’ዩ ዝጎንፈካ። ምስ በዓልቲ ቤቱ ሓወልቲ ክቖመሉ ግና ኣብ ካሌን ሳሕትን ጥራይ’ዩ።

C2

     ካሌ ናይ ምርጫ ቦታ ምዃኑ ዝበዝሑ ዘንጊዖሞ’ዮም። ኣብ መንጎ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ምርጫ ስደተኛታት።

     ሰምሃር መሪሓትና ዝኣተወት ቤት መግቢ ካብተን ካልኦት ቴንዳታት ዝፍለ ትርኢት የብላን። ቤት መግቢ ምዃና ዝሕብር ታቤላ’ውን ኣይተሰቕላን። ኣርባዕተ መንእሰያት ኣብ መኣዲ ከቢቦም ጸንሑና። ንሰላምታ ኣራእስና ላዕልን ታሕትን ኣነቓኒቕና። ዝሓዝናያ ወሰን ማይ ተንጥብ’ያ ስለዝተባህለ ናብ ኣፍደገ ቴንዳ ገጹ ኣብ ዘሎ መንበር ሰገርና። መናብር ካብ ጎደናታት ካሌ ዝተኣርዩ’ዮም።

     ሰምሃር መሓዛይ ምስ ዝበለታ ወናኒት ቤት መግቢ ብሕሹኽታ ዕላል ከፈታ።

     “መግቢ የብለይን ትብል ኣላ፣” ሰምሃር’ያ ናባና ቀሪባ።

     “እሞ ሻሂ ወይ ቡን ከ?” ሓተትኩ።

     ዕላማ ጉዕዞይ ናብ ካሌ ናይ ሓበሻ ቤት መግቢ ምንዳይ ኣይነበረን። ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ብኣውርኡ ኸኣ ዜጋታት እዛ ሰላም ዘይረኸበት ዓለም ከመይ ይነብሩ ኣለው ንምጽብጻብ’ዩ። ካሌ ብዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓቕላ ኣጽቢባ’ያ። ኣብ ሃገሩ ሰላም ዘይረኸበ ህዝቢ፣ ንካልእ ሰላም ክህብ’ሞ ከመይ ኣቢሉ።

     “ሻሂ ደኣ ኣሎ ወላ ባዕለይ ከፍልሓልኩም፣” ሰምሃር ቅርበታ ብፍሽክታ እናገለጸት።

     ንሻሂ ዘድልዩ ናውቲ ኣብታ ቴንዳ ኣለው። ሻሂ ምስ ናይ ካሌ ቀዝሒ ተጠላቢ’ዩ።

     “ቁርሲ ቡን ከ እንታይ ከምጽኣልኩም?” እዚ ናተይ’ዩ ኣይትኸፍልሉን ኢኹም፣” ሕጂ’ውን ብፍስኽታ።

     ዝዓበኽሉ ድኻ ህዝቢ’ዚ ብስክፍታ’ዩ ዝነብር። “ይፈልጠካ’የ” ንዝበሎ ካብታ ዘይብሉ ክጋብዝ’ዩ ዝብገስ። ባህሊ’ዩ። ሕማቕን ጽቡቕን ዘለዎ ልምዲ።

     “ሕራይ ደስ እናደበለና፣” ርክብና ካብ ተራ ዓሚልን ሸያጢትን ናብ ሕውነት ዝሰገረ ኮይኑ እናተሰምዓኒ።

     ሻሂ ምስ ብሽኮቲ ኣብ መኣድና ተቐረበ። ሙዓመር ሻሂ’ያ። “ሻሂ ከኒሻ” ተባሂላ ከምእትፍለጥ፣ ቀጣን ዘይኮነት። ዕምርቲ ሻሂ። ሻሂ ግዲ ከነቓቅሓኒ ኢሉ፣ ስመይ ነጊረ ውነይ ንዕላል ድልው ገብኩ። ሰምሃር’ውን ስማ ነጊራ ንዕላል ድልውቲ መሰለት።

     “እንታይ ደኣ ኣብታ ቴንዳ በይንኺ ትነብሪ፣ ምስዛ መሓዛኺ ብሓንሳብ ዘይትኾና፣” መበገሲ ሰፊሕ ዕላል’ዩ።

     “በይነይ ዘይኮንኩ ሰብኣይ ኣለኒ፣ መሓዛይ ከኣ ሰብኣይ ኣለዋ፣” 

     “ሰብኣይኪ ኣሎ ኣብዚ ምሳኺ፣” ንምንጻር ዝበልክዎ’ዩ።

     “እወ! ናብ ከተማ ኣትዩ ኣሎ ኣስቤዛ ክገብር፣”

     ስእነት ግዝያዊ’ዩ። እቲ ነዳይ’ውን ብትካላት ግብረ ሰናይ ይሕገዝ። ናይ ካሌ ናብራ ይኣኽለኒ ዝበለ ከኣ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቱ ሓድሽ ህይወት ይጅምር። መብዛሕትኡም ኣብ ካሌ ዝርከቡ ኤርትራውያን ገንዘብ ይሕወለሎም’ዩ። ናይ ሓዋላ መስርሕ ካብቲ ኣብ ካልእ ኤውሮጳ ብሰምሰርቲ ዝካየድ ዝፍለ ኣይኮነን።

     “ኦኬ! ብሓንሳብ መጺኩም ካብ ኤርትራ ፣”

     “ኖ ኣብ ሊብያ ኢና ተላሊና፣”

     “ክንደይ ጌርኩም ኣብ ሊብያ፣”

     “ኣነ ሽዱሽተ ወርሒ ጌረ ንሱ ግና ኣብኡ’ዩ ጸኒሑኒ፣

     “እሞ ዕድል ጌርኩም፣ ክልቴኹም ብሓንሳብ ኣብዚ በጺሕኩም። ኣብ ካሌ ኸ ክንደይ ጌርኩም?”

     “ወርሕና ቀሪቡ፣”

     “እሞ ሕጂ ኢኹም። ዓዲ እንግሊዝ ሰብ ኣለኩም ድዩ? ስለምንታይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መሪጽኩም፣”

     “ንሰብኣየይ ሓብቱ ኣላ። ኣነ ግና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰብ የብለይን። ሓበትይ ኣብ ስዊዘርላንድ እያ ዘላ፣”

     “እሞ ስለምታይ ዓዲ እንግሊዝ መሪጽኩም፣”

     “እንድዒ! ኣብኡ ስራሕ ኣሎ ኢሎሞ፣”

     ጉዕዞ ስደት ኤርትራውያን ከም ወዮ ኩሉ ሳዕ ዝደጋግሞ ‘ንጎደት ምጽባይ’ዩ። በቃ ንዘይትፈልጦ ምጽባይ። እንታይ’ዩ? መዓስ’ዩ ኸ ክምጽእ እዝግሔር ዋናኡ።

     ሰምሃር ልሳና ዕባይ ሱዳን ወይ ከኣ ከባቢ ሱዳን ምዃና የፍልጥ’ዩ። ዕላላታ ምረት ደኣ በዚሕዎ’ምበር ጥዑም። ጋዜጠኛ ምዃነይ ኣቐዲመ ስለዝሓበርኩ፣ ንገለ ክፋል ዕላላታ፣ “ነዚ ግና ከይተቃልሖ፣” እናበልት’ያ ተጠንቕቐኒ።

     “እታ ትሰምዕያ ዝነበርኪ ደርፊ ሱዳን ናይ መን’ያ፣”

     “ሓይደር ፖርት ሱዳን ትፈልጦ ዲኻ?” ተመሊሳ’ያ ሓቲታ።

     “ኣሃ! እወ እቲ ናይ ሳሚ ብርሃነ ደጊሙ ዝደረፈ’ንድዩ ሓቀይ። ደርፍታቱ ኣብ ጎልጅ ይሰምዖ ኔረ፣”

     “ኣብ ጎልጅ ኔርካ ዲኻ፣” እሞ ጎረቤትና ኢኻ ኔርካ ብዘስምዕ መንገዲ።

     “ጎልጅን ዓሊ ግድርን ዘይነበረ ኤርትራዊ ኣሎ ድዩ?’ እናተዋዘኹ። ዋዛ’ውን ኣይኮነን ጋሽ ባርካ ዘይወረደ ኤርትራዊ መንእሰይ ምናልባት ቁንጣሮ’ዩ።

                                           +++++++++++++++++

 C3

     እዋኑ ካልኣይ ዙር ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ’ዩ። እንዳ 74፣ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ኣብ ከባቢ ጎልጅ’ያ ዓሪዳ ኔራ። እንዳ ከቢድ ብረት ዝምደቡ መንእሰይት ድልዱላት ኣብ ርእሲ ምዃኖም ተዛማዲ ዕረፍቲ ነበሮም። ዝሓሸ መግቢ’ውን ስቡሓት ኣምሲልዎም ይርአ።

     ድሕሪ ድራር ኣውራ ጎደና ጎሊጅ መማስይቶም’ዩ። ወትሃደራውን ሲቪልን ክዳውንቲ ሓናፊጾም ብብዝሒ’ዮም ዝርኣዩ። ብጉልበትን ባእስን ጸብለል ዝበሉ’ዮም። እንዳ 74 ዝዓረዱላ ባር ትኹን ቤት መግቢ ካልእ ኣህዱታት ኣይቀርብኣን።

     ጽገሬዳ ኣብ ጎኒ ሓንቲ ካብ ባራት ጎልጅ፣ ቤት ሻሂ’ያ ከፊታ። ናይ ስራሕ እዋናታ ቀትሪ’ዩ። ባራት ኣብ ዝዕምረሉ እዋን ሳሕቲ ምስ ወነንቲ ባራት ትተሓጋገዝ። ዝበዝሐ እዋና ግና፣ ሩባ ሰጊርካ ኣብ ጥቃ ቤት ትምህርቲ ጎልጅ ናብ ዝርከብ መንበሪ ቤታ’ያ ተምርሕ። ናይ ክራይ ቤት’ያ። ካብ ሳዕርን ሓመድን ዝተሃንጸት ውቅብቲ ኣጉዶ።

     ኣብ ኣብያተ ሻሂ እትርእየን ደቂንስትዮ’ቲ ከባቢ ናብራ ከምዘቐምሰለን ኣብ ገጸን ይንበብ’ዩ። ሓያሎ ካብኣተን ኣብ እዋን ደርግ ቆልዑ ዝነበራ’የን። ምስ ስድርአን ናብ ምብራቕ ሱዳን ዝተሰዳን ድሕሪ ናጽነት ከኣ ዝተመልሳን’የን። ምረት፣ ኣብ ሰደት ይኹን ኣብ ዓዲ ዝገደፈለንን የብሉን። ምስ ከበሳ ይኹን ምስ መታሕት ፍጹም ምውህሃድ ኣስኢኑወን። ብባህሊ ዳርጋ ሓዲግ’የን ተሪፈን።

     ጽገሬዳ ሰሪሓ ትደክም ኣይትመስልን። ከፋት ዝበዝሖ ኣስናን እንተዘይኮይኑ ቁመናኣን ትርኢታን ተባሃጊ’ዩ። ዮናስ ካብ ዝተባህለ ኣባል 4ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ቆልዓ ኣለዋ። ዮናስ ደሃይ ካብ ዘጥፍእ ዝያዳ ዓመት ኣቁጺሩ’ሎ። ምናልባት ብመስዋእቲ ክኸውን ይኽእል። ንዓኣ’ውን ንሱ’ዩ ዘሻቕላ።

     “ዮናስ ከምቶም ካልኦት ኣይኮነን ጥዑይ ወዲ’ዩ፣” ወትሩ’ያ ትዝክሮ። ግና ደሃይ ኣጥፊኡ። ኣርባዕተ ኣስመራ’ዮም ዝርከቡ፣ ምስ ዝበለቶም ስድርኡ’ውን ርክብ የብላን።

     ድሕሪ ዮናስ፣ ዝተላለየቶ መንእሰይ ኣባል እንዳ 74 ከቢድ ብረት’ዩ። ባህ ኣብ ዝበሎ ይመጽእ፣ ኣብ ዝሰልቸዎ ከኣ ይጠፍእ። ጽገሬዳ ኣመና’ያ ትፈርሆ። ብማህረምቲ በሰላታት ኣውጺኡላ’ዩ። ብባእሲ’ውን ግኑን ስም ኣለዎ። ኣበይ ውዒልካ? ኣበይ ከ ሓዲርካ? ኣይትብሎን። ኣሃዱኡ ካብ ማእከል ጎሊጅ ውጽእ ዝበለ ምስ ምዃኑ፣ ዝጠፍኣሉ ግዝያት ንኣሃዱኡ’ዩ ዘመኻንየላ። ወዲ ሓዝሓዝ’ዩ፣ ስለዝበለቶ ጥራይ ኣተኩሮይ ስሒቡ።

     “መን ደኣ’ብሃል፣” ኣኽርያን ሕዝሓዝን ጎደበ ምስ ምዃኑ ምናልባት እንተፈለጥክዎ ካብ ምባል’የ።

     “ወዲ መሓሪ’ዮም ዝብልዎ፣”

     ኣብ ኣኽርያ ግኑን ስም ዘለዎ ቀምቃማይ ኣቶ መሓሪ፣ ናብ ሓዝሓዝ ካብ ዝግዕዝ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ’ዩ። ስርሑ ኣኽርያ መንበሪ ቤቱ ከኣ ሓዝሓዝ። ሓደ ካብ ደቁ ብወዲ መሓሪ’ዩ ዝፍለጥ። መማህርተይ ምስ ምንባሩ፣ ጠባዩን ጉልበቱን ኣብ ግምት ብምእታው፣ እዚ ጽገሬዳ እትብሎ ዘላ ወዲ መሓሪ ንሱ ዘይምዃኑ ደምዲመ’የ።

     ስሙን ምሉእ መንነቱን ኣጥቢቓ ምሕታት ነውሪ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ብዛዕባ ወዲ መሓሪ ኣዕሙቐ ኣይፈለጥኩን። ንጽገሬዳ ግና ፍርሒ ኣብ ባሕሪ ከብዳ የእትዩላ’ዩ።

     ዳዊት ወዲ ክፍላይ ዕባይ ሱዳን ምስ ምዃኑ ንጽገሬዳ ዝያዳና ቀረባ። ቋንቋ መቀራረቢ’ዩ። ኣብ መንጎ ዕላላት ዓረብ ሰው እናበሉ ብዙሕ እዋን የጥፍኡና’ዮም። ተባሃጊ ቁመናን ትርኢትን ጽገሬዳ ከየወናወኖ ኣይተረፈን። ወዲ መሓሪ እንተፈሊጡ ክውለድ ዝኽእል ኣምባጋሮ ደኣ’ሰጊኡ ይኸውን’ምበር ምስ ጽገሬዳ እንተዝሓድር ኣምበይ’ምጸልአን።

     ሙቐት ግዲ ኮይኑ፣ ዕርቃን ኣካላታ ኣየሰከፋን። ኣብ ዕዮ ተጸሚዳ፣ ምንቅስቓስ ሰብነታ፣ ኣውራ’ኳ እቲ ዕርቃኑ ዝርአ ኣካላታ ባህታ’ዩ ዝፈጥር። ዝበዝሐ እዋን ምስ ሻሂ ወይ ቡን ሓይደር ፖርትሱዳን መቛስይትና’ዩ። ከናፍር ወዲ ክፍላይን ጽገሬዳን ማዕረ ሓይደር’ዩ ዝርግብገብ። እንሓንሳእ’ውን ዓው ዝበለ ረምታ ይሞልቖም’ሞ ይጠማመቱ። ፍረ ነገሩ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ትዝታ’ዩ።

     ‘ዝተሰምዐ ሜሎዲ ጥዑም’ዩ፣ እቲ ዘይተሰምዐ ግና ካብኡ ይጥዕም፣’ ንጽል መስመር ካብ ግጥምታት እንግሊዛዊ ገጣሚ ጆን ኪትስ እናዘከሩ፣ ንደርፍታት ሓይደር፣ ማዕሪኦም፣ እኳ ደኣ ዝያድኦም ኣስተማቒረዮ’የ።

     ብማእቶት ናብ ጎልጅ ዝወፈረት ኣሃዱ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፣ ካብ ዘፍረየቶ ዘዕነነየቶ’ዩ ዝበዝሕ። ዝበጋገስ ዝነበረ ኣድማ ተማሃሮ’ዩ ‘ቲ ጠንቂ።

     መንግስቲ፣ ” ናብ ዝተመደበልኩም ውረዱ፣” ክብል፣ ተማሃሮ ከኣ “ኣድማዒ ስራሕ ናብ ዘይነበርክተሉ ኣይንወርድን፣” ክብሉ፣ ምስሕሓብ ወሪሑ’ዩ። እንተስ ብግዲ እንተስ ብውዲ ተማህሮ ኣብ ጎሊጅን ዓሊ ግድርን የዕነንዩ ኣለዉ።

     “ምሻት ሳዕሪ ናይ ሓንቲ ኣጉዶ ኢኹም፣ ሃሊኹም ኣይሃሊኹም ነዛ ሃገር ትርጉም የብሉን፣” ኮለነል ደበሳይ ግደ ሃዲዱ።

     “ወትሃደር ስለዝኾነ’ዩ። ኣይትሓዝሉ፣ ኣነ ባዕለይ ክከታተለኩም’የ። ሕጂ ንምሳሕኩም ከብቲ ከምጽኣልኩም’የ፣” ሙስጠፋ ኑርሑሰን ኣማኻንዩ።

     “ታህዲድን ሽጣራን ሳሕል ኣበይ ከብጽሓኩም’ዩ፣ ደሓን ክንርኢ ኢና፣” ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሓንሓኑ።

     ወዲ ክፍላይ ሓደ ካብኣቶም’ዩ። ናይ ሰለስተ ዓመት ፍልጠትና ኣሕዋት ኣምሲሉና’ዩ።

     ቤት ሻሂ ጽገሬዳ፣ ካብ ተባህለ ዕላላት ናይቲ እዋን’ቲ ኣድሒናትና’ያ። እንሓንሳብ ቡን ናይ ጀበና እናሓንሳብ ሙዓመር ሻሂ ባርካ እናባራረና፣ ኣይጸመወናን።

     ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብዛ ከተማ የዕነንዩ ኣለዉ ስለዝተባህለ፣ ናብ በረኻ ገጾም ክርሕቑ ተወሰነ። ንዳዊት ዓቢ ሻቕሎት ኮነ። ምስ ጽገሬዳ ናይ ነዉሕ ዓመታት ምፍላጥ ዘለዎ መሰለ። ሻቡ ጸምለወ። ጽገሬዳ’ውን ልባ ኣብ ሰንኮፍ ምህላዋ ተፍልጥ።

     “ተዳለዉ!” እንተዘይኮይኑ ዕለት ምብጋስ ኣይተነግረን። ሓጺር ውሳኔ’ዩ። ንምሸቱ ተማሃራይ ዘበለ ሳናጡ ክኣኻኽብ ተራእየ። መሸማዕ ንምጥቕላል ተብተብ ኮነ። ንቕሎ ወጋሕታ’ዩ ተነግረ። ዳዊት ቅድሚ ሰቡ’ዩ ጠርኒፉ። “ናበይ ኢና፣ ድሕሪኡ ኸ እንታይ’ዩ ክስዕብ፣ ዝብሉ ሕቶታታት ኣልዒሎም፣ ተማሃሮ ኣብ ርሱን ክትዕ’ዮም ኣምስዮም። ዳዊት ግና ኣብታ ምሸት እቲኣ ክሳብ ወጋሕታ ኣይተራእየን።

     “ፍርሒ ወዲ መሓሪ ግዲ ተቐንጢጥሉ፣ ብጽገሬዳ ተኸቢቡ ክኸውን ኣለዎ፣” መደምደምታ ሓሳባይ ቅድሚ ሰለም ነበረት። ወዲ መሓሪ ኣብተን ቅንያት እቲኣተን ኣይተራእየን።

     ዳዊት ኣብ ብሪጣንያ ከተማ ሊድስ ምህላዉ ሰሚዐ ኣለኹ። ጎሊጅን ካምቦ ዓሸራን፣ ደርፍታት ሓይደርን ጽገሬዳን፣ ኣበባ መጋቢትን ሕድሮ በረኻን ክቡራት ተዘክሮታቱ ምዃኖም እምነት ኣሎኒ።

                                                                             +++++++++++++++++++++

c4

     ብውሕዱ ሰለስተ ወለዶታት ስደት ኤርትራውያን ዝመስከረት ሃገር’ያ ሱዳን። ስግረ ዶብ ስደት ኤርትራውያን ብሱዳን ሓደ ዘመን ከቑጽር እንታይ ተሪፍዎ። ደርፍታት ሱዳን ኣብ ኤርትራ ተሰማዕቲ ክኾኑ፣ ስደት ግዴኡ ኣበርኪቱ’ዩ። ሰምሃርን ጽገሬዳን ሓደ ክፋል ወለዶ ስደት ኤርትራ ኣብ ሱዳን’የን። ሱዳን ብባህሊ፣ ቋንቋን እምነትን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሰሰረ ጎረቤት ህዝቢ ኣለዋ። እቲ ዘሕዝን፣ ነዚ ጉርብትና’ዚ ዝያዳ’ቲ ካልእ ዝዓብለለ ፖለቲካ’ዩ።

     ሱዳን እግረይ ዘንበርኩላ ሃገር ኣይኮነትን። ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ሌላይ ምስዛ ሃገር ካብ መጻሕፍቲ’ዩ። ‘ናይ ስደት ወቕቲ ናብ ሰሜን’ – Season of migration to the North ናይ ጣይብ ሳልሕ ዘይሃስ ጦብላሕታ ኣንቢራትለይ’ያ። ካርቱምን ቁሸት ወድ ሓሚድ ዝፈልጠን ኮይኑ ይስምዓኒ። ካብ ሱዳን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንትምህርቲ ዝተላእከ ሙስጦፋ፣ ምስ ብሪጣናውያን ጎራዙ ዘሕለፎ ሸብዳዕዳዕን ናብ ዓዱ ምስተመልሰ ዝጎነፎ ትራጀዲን እናሻዕ ይቕጀለኒ።

     ኤርትራውያን ብዛዕባ ሱዳን ብዙሕ’ዮም ዝዝክሩ። ብዙሕ ከኣ የላግጹ። ማዕለሽን ልግስን ምስ ሱዳናውያን የተሓሕዙወን።

     “ኣብ ካርቱም ዝርከብ ህዝባዊ ሆስፒታል፣ ንኢመርጀንሲ እንተደዊልካ ዓራትካ ሒዝካ ምጻእ’ዮም ዝብሉኻ፣” ሱዳናዊ መሳርሕተይ ዘዕለለኒ’ዩ።

 

                                                ++++++++++++++++++

     ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ክሰግር’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ተታሒዙ። ግብጺ ናብ ሰራዊት ሱዳን ስለዘረከብዎ ከኣ፣ ካብ ዶብ ግብጽን ሱዳንን ተኣሲሩ ናብ ካርቱም ይምለስ ነበረ። ባቡር ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞ’ዩ ዝወስደላ። ከሰንዮ ዝተላእከ ወትሃደር ሱዳን ናብ ሽንቲ ክንቀሳቀስ ኣብ ዝደልየሉ ምስ መናብር ባቡር ብሰንሰለት ኣሲርዎ’ዩ ዝኸይድ። ነዚ ዝርኣያ ሱዳናዊት ኣደ፣

     “ኣንታ ወደይ፣ እዚ ቖልዓ ሲ እንታይ ኣቢሱ?” ክብላ ንወዮ ወትሃደር ተወከሳ።

     “ብዘይሕጊ ናብ ግብጺ ክሰግር’ዩ ተታሒዙ፣” ወትሃደር ይምልስ።

     ወዮ ሱዳናዊት ኣደ፣ ናብቲ ገና መንእሰይ ዘይመልአ ቆልዓ እናጠመታ፣-

     “እንታይ ኮይናካ ናብ ግብጺ ትሃድም፣” በልኦ።

     ካብ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝሃደመ ምዃኑን፣ ኣብ ግብጺ ድማ ክመሃር ከምዝሓሰበን ብግሩህ ልቢ መለሰ።

     እተን ኣደ፣ መኣዝኑ ዘጥፍአ ቆልዓ ኣደንገጸን።

     “ናብ ወትሃደር ተመሊሰን ከኣ፣-

     “እዚ ቆልዓ ኣነ ክወሓሶ በጃኻ መሓሮ፣” ለመና።

     “እሞ… እቶም ዝልኣኹኒ መሰነይታ ደብዳቤ ሂቦሙኒ እንድዮም፣” ኣመኻነየ ወትሃደር።

     ነታ ደብዳቤ’ውን ክልክምኣ ከምዝኽእላ ነገራ ተባዕ ሱዳናዊት ኣደ።

     ኣብ ምጥርጣር ዝጸንሐ ሱዳናዊ ወትሃደር፣ ንእግረ መንገዲ እሱር ዘማልእዎ ንዕረፍቲ ዝወጸ ምዃኑ ሓበረ። እሱሩን ደብዳቤኡን ነተን ኣደ ኣረኪቡ’ውን ኣብ መንገዲ ወረደ። ሱዳናዊት ኣደ’ውን ነቲ ካብ ምክልባት ዘድሓንኦ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስ ደቀን ጸንቢረን ኣብ ካርቱም ናብ ቤተን ተማልኦኦ።

     ናብ ገድሊ ክሳብዕ ዝስለፍ’ውን ምስታ ሱዳናዊት ስድራ ተቐመጠ። ሓደ እዋን ግፉዕ ስደተኛ፣ ኣብ ሰውራ ብደረጃ ሓላፍነት ዝጋደል ሕቡን ኤርትራዊ ኮይኑ’ዩ ናብ ካርቱም ተመሊሱ። ጉዕዞ ስደቱ ዘሕጸራን መኣዝን ህይወቱ ዝቐየራን ሱዳናዊት ኣደ ግና ብህወይት ከምዘይጸንሐኦ’ዩ ዘዘንቱ፣ ሓላፊ ዜናን ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ነበረ ኣቶ መሓመድ ጣህር ባዱሪ።

     ባዱሪ፣ ‘ጉዕዚ ኣብ ዝኽሪ’  ብዝብል ኣርእስቲ ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘዳለዋ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ዝሰነዶም ፍጻሜታት እተዘንቱ መጽሓፍ፣ ዓቢ ክፋላ ስደት’ዩ። ነዚ ሓድሽ ወለዶ ከኣ ስደት ቀደምን ሎሚን ናብ ሱዳን ከመይ ኣሎ ብመጠኑ ከተዘኻኽሮ ትኽእል’ያ።

     ንባዱሪ ዘሰነየ ሱዳናዊ ወትሃደርን ብሓደራ ዝተረከበኦ ሱዳናዊት ኣደን እሞ ዘክሩ! ምስዚ ሕጂ ኣብ ጉዕዞ ስደት ናብ ሱዳን ዝስማዕ ዘሎ ኣውያት ኤርትራውያን ገለ መነጻጸሪ ሲ ይህልዎ ይኸውን።

     ባዱሪ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ፈተነ ስደትን ገድልን፣ ኣብ ሆቴል ሳንሻይ ዑቕባ ሓቲቱ ምህላው የዒንተይ ምስክር’የን። ጠራሙዝ ናይ ቀረባ የዕሩኽቱ’ዮም። ኣብ ሓያሎ ተጋደልቲ ሳሕል ዝተራእየ ክስተት’ዩ። ንነገሩ ኣብዚ ሰብ ሓሲምሉ ዘሎ እዋን ምስ ጠርሙዝ ምትዕርራኽ ይሓይሽ ይኸውን’ዩ። ካብ ሰብ ጠርሙዝ ይመን፣ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ።

                                                        ++++++++++++++++++

Calais

     “ፓሪስ ከመይ’ዩ? ሽወደን ዶ ይሓይሽ ካብ ፈረንሳ?” ሰምሃር’ያ ምናልባት መንገዲ ካሌ እንየዘይሰለጠ ርጡብ ሓበሬታ ንምእካብ።

     “እዋእ ናይቲ ሰብ ድሌት’ዩ ዝውስኖ። ሰብ እንታይ’ዩ ዝደሊ፣”

     “ማለት’ሲ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ሲ ኣበይ ይሓይሽ፣”

     “ኩሉ ሓደ’ዩ ኤውሮጳ። ምናልባት ብሪጣንያ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ምዃኑ ንብዙሓት ይቐሎም ይኸውን፣”

     ብመልሰይ ከምዘይዓገበት ኣብ ገጻ ይንበብ።

     “እቲ ሶሻል ገለ ዝሕግዙኻ ኸ ኣብ ፈረንሳ ከመይ’ዩ?” ፈረንሳ ዘላገሱ ኤርትራውያን ከይፈተሹዋ ዘይሓልፉ ሕቶ’ያ።

     ኤርትራውያን’ውን ካብ ሱዳን ቅድሚ ምብጋሶም፣ አረ ገሊኦም’ሲ ካብ ኤርትራ ከይወጹ’ውን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤውሮጳዊት ሃገር ናይ ሶሻል ሓገዛት’ዮም ዘጽንዑ። ገሊኦም ዳርጋ ሸምዲዶሞ’ዮም። ንገዛ ክንደይ ይኽፈል? ናይ ሕክምና ከመይ’ዩ? መጓዕዝያ ኸ? ተንቲኖም ኣጽኒዖሞ’ዮም።

     ብዘካየድዎ መጽናዕቲ መሰረት፣ ሽወደን ቀዳመይቲ ኮይና ረኺቦማ። ስዊዘርላንድ’ውን ካብ ሽወደን ከምዘይትሓምቕ ኣጽኒዖም። መሰል ዜግነት ንምርካብ ግና ግድል’ዩ። ስደተኛን በላዒን ክብሃሉ’ውን ኣመና’ዩ ኣሰኪፍዎም። ወይ ስራሕ ምርካብ’ዩ ወይ ከኣ ዜግነት ወሲድካ ማዕረ ሰብካ ምንሽርሻር።

     ስዊዘርላንድ ግን ስደተኛት ንምርዳእ ደኣ’ምበር፣ መሰል ዜግነት ንምርካብ ሲ ተወናውን ሃገር ኣይኮነትን። ደሚሮም፣ ኣጉዲሎም፣ እታ ዝሓሸት ፣ እሞ ኸኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐሊሉ እትቕበል ሃገር ሽወደን’ያ፣ ኣብ ውሳነ በጺሖም። ሽወደን ከኣ፣ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትጣራዕ። ብሪጣንያ፣ ዶባ ኣብ ካሌ ዓጽያ። ምናልባት ሃገራት እንተነጸጋ ወይ ዕድል እንተተሳእነ ከኣ’ዮም፣ “ፈረንሳ ከመይ’ያ?” ዝብል መጽናዕቲ ዘካይዱ። ሰምሃር’ውን እንሆ ገለ ክፋል መጽናዕታ ተካይድ ኣላ።

     “ክንደይ ጌርካ ኣብ ፈረንሳ?”

     “ሽዱሽተ ዓመተይ ቀሪቡ፣”

     “እሞ ብዙሕ ኣይገበርካን፣”

     መምዘኒ ብዙሕ ወይ ውሑድ ወትሩ ምስ ጸገመኒ’ዩ። ብዙሕ ወይ ውሑድ ዝብሃል በየናይ መዐቐኒ ኮን ይኸውን? ሰብ ምስ ዝመረጾ ዓቐን’የ ዝሰማማዕ። “ብዙሕ” እንተ ኢሉ “እወ ብዙሕ” ፣ “ውሑድ” እንተ ኢሉ ከኣ “እወ ውሑድ” ምባል ተለማሚደ’የ። ሰምሃር ምስ ዝበለቶ ተሰማማዕኩ።

     “እሞ ትሰርሕ ኢኻ ማለት’ዩ?” መጽናዕታ ቀጸለት።

     “እወ ይሰርሕ’የ፣” መለስኩላ።

     ስቕ በለት።

     ምናልባት ሕቶ እንተለዋ ተጸበኹ። ሕቶ ኣይነበራን። ርእይቶ’ውን ከምኡ። ኣብታ ብሓደ ኩርንዓ ማይ እተልሑኽ ቴንዳ ዝነበሩ መንእሰያት፣ ኣርእሶም ብምንቕናቕ ብሰላምታ ካብ ዝፋነዉ ሰዓት ሓሊፉ ኣሎ። ወናኒት ቤት ሻሂ’ውን ምስ ሞባይላ ዕላል ሒዛ’ላ። ገላቢጣ ትርእያ፣ ትጥውቓ፣ ተጥፍኣ፣ ትውልዓ። ህልም ዝበለ ዕላል ምስታ ሳምሱንግ ዝዓነታ ዘመናዊት ሞባይል።

     ከተሰንየኒ ዝወዓለት ፈረንሳዊት ሰራሕተኛ ሓካይም ብዘይ ዶብ ደጋጊማ ኣምባሆቐት። ንገለ ክፋል ዕላልና ይትርጉመላ’የ። ዕላል ሰምሃር ከይበታተኽ ግና ዝበዝሐ እዋን ንሰምሃር’የ ዝህብ እቲ ዕድል።

     “እሞ ሻሂ ዘይንደግም፣” ንምብርባር ዘንቀልክዎ ሓሳብ’ዩ።

     “ሕራይ፣” ሰምሃር ብድድ በለት።

     “ኣብ ሞባይልኪ፣ ‘ዓም ዓብደርሒም’ ትብል ደርፊ ሱዳን ትህልወኪ ዶ ትኸውን?”

     ሃንደብት ግልብጥ ኢላ፣-

     “ኣበይ ትፈልጣ ነዛ ደርፊ?”

     “ሓደ ኣሎ ሱዳን ዝዓበየ ዓርከይ ብዙሕ ግዜ’ዩ ዝሰምዓ። ትርጉማ ምስ ነገረኒ ከኣ ምስቲ ዜማ ፈትየያ፣”

     “ትፈልጥ ኣብ ወደ’ልሒሉ እንከለና ነቦይ ዓም ዓብደርሒም’ዮም ዝብልዎ ኔሮም፣” ዳርጋ ሕንቅንቕ ብዝመስል ግብረ መልሲ።

     “ዓብደርሒም ድዩ ኮይኑ ስሙ?”

     “ላላ። ኣቦይ ብጣዕሚ ጻዕራም’ዩ ኔሩ….” ኣብ ማዕዶ ናይቲ ሻሂ እትፍልሓሉ ቦታ ኮይና ዛንታ ኣቡኣ ብተመስጦ ቀጸለት።

 

 

Caro                                                            ++++++++++++++++++++

     ኣብ መወዳእታ 1980ታት ካብ ዓንሰባ፣ ከባቢ መቀርካ ናብ ምብራቕ ሱዳን ዝተሰደት ስድራ፣ ብኣቶ ሃብታይ እናተኣልየት ኣብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ሓድሽ ህይወት ‘ያ ጀሚራ። ክልተ ውሉድ ሒዛ ዝወረደት ስድራ ኣቶ ሃብታይ፣ ኣብ ምድሪ ስደታ’ውን ብውሉድ ተባሪኻ’ያ። እንሆ’ኳ ሰምሃር ሓንቲ ካብኣቶም። እንተ’ቲ ካልእ ካብ ቤት ኣቶ ሃብታይ ዝርሓቐ ነበረ። ድሕሪ ሓያል ጻዕሪ፣ ፊስቶ ዝተጻዕና ብኣድጊ እትምራሕ ዓረብያ፣ ካሮ፣ ዝወነነ ኣቶ ሃብታይ፣ ማይ እናጓረትን ማይ እናከፋፈለን ቆልዑ ከዕቢ ክኢሉ።

     ኣብ ግዳም ኣብ እትውዕል ዓብገሬብ ንንእሽቶ ዕረፍቲ ክጋደም እንተዘይኮይኑ፣ ንድቃስ ዝኸውን ግዜ ኣይነበሮን -ዓም ዓብደርሒም። እታ ዝጋደማ ንእሽቶ ዕረፍቲ’ውን ስድራን ሽቑልን ሸቐልቀሉ’ዮም።

     “ናብ ዓድና ክንምለስ ኢና፣” ናይ ወትሩ ሕልሚ’ዩ ዝነበረ። ናብ ዓዲ ከይተመልሰ ግና ደቁ በብሓደ እናረሓቑ ገሊኦም ከሰላ፣ ገሊኦም ካርቱም፣ ሓንቲ ስዊዘርላንድ ሰምሃር ከኣ እንሀት ኣብ ካሌ።

     ኣቶ ሃብታይ፣ ዓም ዓብደርሒም ናይ ሙስጠፋ ሰይድ ኣሕመድ ብተመስጦ ካብ ዝሰምዕወን ደርፍታት ሱዳን ምንባራ፣ ሰምሃር ኣብ ቀዝሒ ካሌ ኮይና ብናፍቖት ትዝክሮ ኣላ። ነዛ ደርፊ ክደጋግማ ዝሰምዖዎ ፈለጥቱ ከኣ’ዮም ዓም ዓብደረሒም ዝበልዎ።

     ነባር ደርፊ ዓም ዓብደሪሒም፣ ህይወት ሓደ ሱዳናውያን ስድርኡን ንምእላይ ንዘሕለፎ መዓልታዊ ናይ መስገደልን እተዘንቱ’ያ። “ማሕበረ-ቁጠባውያን ፖለቲካዊን ስእሊ ሱዳን እተንጸባርቕ፣ ምስ ግዜ ዘይትወድቕ ፍርያት ስነጥበባ’ያ፣” እናበሉ ይገልዋ’ዮም ብዙሓት። ዕባይ ሱዳን ዓርከይ’ውን ነዛ ደርፊ እናኽዝክር ምስሊ እታ ቅድሚ 26 ዓመታት ዝተፋነዋ ሱዳን’ዩ ዝዝክር። ዓም ዓብደሪሒም ምስ ሃብቱ ነዳቓይ ተመሳሰለኒ፣ ምስ በየነ ሃይለማርያም፣-

 

ትርኢቱ ብጸሓይ በሲሉ
ዓይኑ ብድኻም ሰሊሉ
ብስዋ ግን ተሸምጊሉ
ሃብቱ… እናተመልሰ ቤቱ

ወርሒ ወጽያ
ቅርኒብ ዓይኒ ተዃሒላ
ዓውዲ ቀውዒ ተመሲላ
ርእያቶ ርእዩዋ
ስሒቑ ስሒቓ

ብኡ ብኡ ተብተብ ኢሉ
ናብታ… ናብ….ናብ
ጸማልያ መብራህቲ
ሽሮ’ታ ድስክልቲ
ሰበነ ቁንንቲ

ብትንፋስ ትመውቕ
ኣብታ ጸባብ ክፍሊ
ሉቺ ተጸብያቶም
ከምወትሩ ብዓቕሊ

ምንኻስ ኣምሲሉ
ሽዑ እንድዕሉንሱ ተኣጕዱ
ናታ’ሞ ገዲዱ

ንፋስን ትንፋስን
ኣስካርባን ጉዕሽን
ፍሳስን ርሃጽን
ኩሎም ተጋብኦም
ግን ተቓጺጾም።

ፍርናሽ ዘጢጡ
መንጸፍ ተቐንጢጡ
ጎስዒ ጎሳሲዑ
መናድቕ ነቒዑ

ሽዑ…..
በታ መስኮት’ታ ስንፍቲ
ቅልቅል ኢላስ ወርሒ ለይቲ
ክምስ ኢላ ብኣርምሞ
ዝርኣየ ግን..መን’ዩ መን’ይ’ሞ!

ሸብረኽ ህልም
እርም..ክርትም
ክጥዕም!

 

+++++++++++++

 C5

     ከባቢኹም ፈትሹ! ሓደው ምስሊ ዓም ዓብደሪሒም ሓደው ከኣ ምስሊ ሃብቱ ነዳቓይ ሲ ኣይክትስእኑን ኢኹም። ሰምሃር ንምስሊ ዓም ዓብደሪሒም ኣብ ወላዲኣ ኣቶ ሃብታይ’ያ ረኺባቶ። ምስሊ ኣቶ ሃብታይ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስሊ ስደት ቀዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ወለዶ ኤርትራ’ውን ረኺባ ኣላ። ዕድመ ንስደት፣ ሰምሃር ፍቕሪ ሱዳንን ርእያታ ዘይትፈልጥ ኤርትራን ተራሪቑዋ ኣሎ። ዘይርኣዩዋ ሃገሮም ዝናፍቑ ብዙሓት’ዮም። ዘዝመጹ ስርዓታት በቓ ዓድና ከሕድጉና። ወይስ ንሕና ኢና ንሓድገሎም ዘሎና።

     ሰምሃር ዛንታ ወላዲኣ ነጊራ ኣይክትውድእን’ያ።

     “ብህይወት ኣለዉ ድዮም ኣቦኺ?” ካብ ዝወሓጣ ዋሕዚ ዛንታ ከውጽኣ ኢለ’የ።

     “ኣቦይ ደኣ’ወ ኣሎ። ናብ ካርቱም ክቕይር’ዩ ሕጅስ። ደይ ንሱ ደኣ እንታይ ናብዚ ኣምጺኡና። ሰሪሕና ክንሕግዞ፣” ኣብ ፊታ ርዝነት ይርአ።

     “እሞ ነዛ ደርፊ ነቦኺ እንተጋበዝክዎም ከ?”

     “ካብ ጣሻታት ካሌ ናብ ምብራቕ ሱዳን ነቦይ ደርፊ ክትጋብዘለይ .. ዘይከውን…ሃላው፣” ትብለኒ ዘላ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ።

     “ኣላትካ ድያ ኣብ ሞባይልካ፣”

     “ኖኖ! ብሬድዮ ጌረ’ምበር፣ ሬድዮ ይሰምዑ ድዮም ኣቦኺ፣”

     “ሬድዮ ደኣ ክፈቱ መዓት’ዩ፣ እንተሰሚዑካ ደኣ ሕራይ፣” ሕጂ’ውን ኣብ ግብሪ ዘይውዕል እናመሰላ ንቀልዓለም ዝሃበትኒ መልሲ’ዩ።

     ካብ ፈረንሳዊት መሳንይተይ፣ ኢንተርነት ዘለዋ ሞባይል ተለቂሐ ዩቱብ እፈታትሽ ኣለኹ። ነባር ደርፊ ሙስጠፋ ሰይድ ኣሕመድ ክረኽባ ኣይከኣልኩን። ድጋም’ዛ ደርፊ ጋብዝኩዋ። ሓቢርናው’ን ብጽሞና ኣስተንተንናላ።

 

ዕባይ ኣኽርያ
ካብ ፓሪስ

ጥሪ 2016

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0